ኣርባዕቲኦም ኣሕዋት ብጥንታዊ ትንቢት ተደሪኾም፡ ነቶም ኣብ ባርነት ዝነብሩ ዝነበሩ ፍጡራት ናርንያ ናጻ ኸውጽኡ፡ ዘይትምሕር ገዛኢት ክዓልዉ እዮም ናብ ውግእ ኣትዮም። ኣብ ዛንታ ናርንያ፣ ጴጥሮስ፡ ሱዛን፡ ዓንዶምን ሉችያን ምስቲ ግቡእ ወራሲ ዝፋን ናርንያ ዝኾነ ኣስላን ሓቢሮም፡ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ ትብዓትን ሓይልን ክድህስሱ እዮም።
ድሕሪ ድራር ዘጋጠመ
“በጃኻ ንኣቶ ፋኑስ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ንገረና፡” ሉችያ ተሃንጥያ ተወከሰቶ።
“ኣሕ፡ ሕማቕ እዩ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ ርእሱ እናነቕነቐ። “ንሱ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ጕዳይ እዩ። ብፖሊስ ከም ዝተወሰደ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ሓበሬታ፡ ክፍጸም ከሎ ካብ ዝረኣየቶ ሓንቲ ዑፍ’የ ረኺበዮ።”
“ግን ናበይ ተወሲዱ፧” ሓተተት ሉችያ።
“እንድዒ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡” በለት ሱዛን። ኣቶ ካስቶሮ ብናይ ምትካዝ ስምዒት ርእሱ ነቕነቐ።
“ናብ ገዝኣ ይወስድዎ ነይሮም ማለት’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ፡” በለ።
“ግን እንታይ ክገብርዎ ይኽእሉ ኣቶ ካስቶሮ፧” ሉችያ ተጨኒቓ ሓተተት።
“ግርም፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ፣ “ብልክዕ ርግጸኛ ዄንካ ኽትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ግን ናብኡ ኸይዶም ዳግማይ ዝተመልሱ ዳርጋ የለዉን። እቲ ቐጽራ፡ መዳያይቦታት ገዝኣን ኣዳራሻታን ብሓወልትታት ዝመልአ ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ። ንሳ ንሰባት ናብ ... ዘረባኡ ኣቋሪጹ ኣንፈጥፈጠ፣ “ናብ ከውሒ ትቕይሮም ..፡”
“ግን ኣቶ ካስቶሮ፡ ኣይንኽእልን ዲና፧ ማለተይ ንኣኡ ንምድሓን ገለ ነገር ክንገብር ኣሎና። ኣዝዩ ዘርዕድ እዩ። ኵሉ ድማ ብሰንከይ እዩ፡” በለት ሉችያ።
“እንተ ትኽእሊ፡ ንኣኡ ከም እተድሕንዮ ኣይጠራጠርን’የ ምቅርተይ። ግን ካብ ናታ ፍቓድ ወጻኢ፡ ናብቲ ገዛ ኽትኣትውን ብህይወት ድማ ክትወጽእን ዝኾነ ዕድል የብልክን፡” በለታ ወይዘሮ ካስቶሮ።
“ዝኾነ ስልቲ ኽንፈጥር ኣይከኣልን ድዩ፧” ሓተተ ጴጥሮስ። “ማለተይ ገለ ዘደናግር ኣለባብሳ ኽንጥቀም ወይ ድማ ከም ቤላሮባ ወይ ዝኾነ ኻልእ ክንመስል ክንፍትን ኣይንኽእልንዶ፧ ወይ ድማ ክሳዕ እትወጽእ ተኸታቲልና... ወይ፡ ምሒርዶ ኣብዚሐዮ፣ ኣየ እንታይ ደለ ተካል ነገር’ዩ እዚ፣ ገለ ኽንጣበብ ኣሎና። ኣቶ ካስቶሮ፡ እዚ ፎን’ዚ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ’ዩ ንሓፍተይ ኣድሒንዋ፣ ኣብ ከቢድ ኣደራዕ ወዲቑ ኸሎ፡ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልና ገዲፍናዮ ኽንከይድ ኣይንኽእልን ኢና።” “ወዲ-ኣዳም፡ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ካብዚ ዅሉ ሰብ ንስኻ ክትፍትን ትርጉም የብሉን። ሕጂ ግን ኣስላን ከኣ ተንቀሳቒሱ ኣሎ-” በለ ኣቶ ካስቶሮ።
“ኣንታ እወ! ብዛዕባ ኣስላን ንገረና!” ዝብሉ ሓያሎ ድምጽታት ብሓንሳእ ተሰምዑ። ከም ብሓድሽ ልክዕ ከም ምልክታት ምእታው ጽድያ፡ ልክዕ ከም ጽቡቕ ዜና ጕዳም ስምዒት ኣብ ልዕሊኦም ሓደረ።
“መን’ዩ ኣስላን፧” ሱዛን ተሃንጥያ ሓተተት።
“ኣስላን፧” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ኣይትፈልጥዎን ዲኹም፧ ንሱ ንጉስ እዩ። ንሱ ጐይታ ናይዚ ዅሉ ጫካ እዩ። ርአኹም፡ ሳሕቲ’ዩ ግን ኣብዚ ዝመጽእ። ፍጹም! ኣብ ግዜይ ይኹን ኣብ ግዜ ኣቦይ መጺኡ ኣይፈልጥን እዩ። ግን ከም ዝተመልሰ ወረ በጺሑና ኣሎ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ናርንያ’ዩ ዘሎ። ነዛ ጻዕዳ ንግስቲ ጽቡቕ ገይሩ መዕለቢ ኽገብረላ እዩ። ንሱ ደኣምበር፡ ንስኻ ኣይኮንካን ንኣቶ ፋኑስ ተድሕኖ።”
“ንኣኡኸ ናብ እምኒ ኣይትቕይሮን ድያ፧” ሓተተ ዓንዶም።
ኣቶ ካስቶሮ፣ “ጐይታ ይባርኽካ ወዲ-ኣዳም፡ ዘረባኻ ቀልዲ እዩ!” በሎ ካርካር ኢሉ እናሰሓቐ። “ናብ እምኒ ኽትቅይሮ፧ እንታይ ትብል ወደይ! ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ኽጥምቶ’ውን ተኺእላ እያ! ከምኡ እንተ ገይራ፡ ካብቲ ኣነ ዝጽበዮ ንላዕሊ እዩ። ዘይከውን’ዩ ዘይከውን’ዩ! ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ጥንታዊ ግጥምታት ዝበሎ ንዅሉ ነገር ከስተኻኽሎ እዩ፤
ጌጋታት ክእረሙ’ዮም፡ ኣስላን ናብ ትርኢት ምስ መጸ
ደጊም ሓዘን ኣይክህሉን’ዩ፡ ድምጺ ምጕዛሙ ምስ ተሰምዐ