ሸያጢ ዕድል፡ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ህይወት ዝዳህሰሱ፡ ዝምህርን ዘዘናግዕን ከምኡ’ውን ዘሐጉስን ዘሕዝንን ሓሳባት ዝሰነቑ ዓሰርተ ሓጺር ዛንታታት ሒዛ ኣላ። ኣብ’ዘን ዛንታታት፡ ደራሲ ብግዜን ቦታን ከይተደረተ ኣብ ሕሉፍን ህሉውን ቆይሙ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፍጻመታት ብልብ-ወለዳዊ መገዲ ኣብ ህይወት ክሕንብስ ፈቲኑ ኣሎ። ከም ተስፋ፡ ሞራል፡ ህድኣት፡ ፍቕሪ፡ ናፍቖት፡ እምነት፡ ጣዕሳ፡ ስደት፡ ስነ-ጥበብ፡ ፍርሒ፡ ክብርታት፡ ዕድል፡ ዕግበት ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ህይወት ተናኺፉዎም ኣሎ።
ሕልምን ጋህድን ምፍልላዩ ጸጊሙኒ። ናይ ከበሮ ዝጥዕም ድምጺ ድየ ዝሰምዕ ዘለኹ? ካበይ ዝመጽኣ መካይን እየንከ ቢብ! ... ቢብ! ክብላ ዘጽምማኒ። እዚ ቕዳሰ ዝጥዕም ድምጺ ኣንስቲኸ ኣበይ ዘሎ እዩ? ደርፊ ድዩ ጸሎት? ደስ ዘብል ስምዒት ዝስመዓኒ። ይሓልም ደኣ ከይህሉ? ኣዒንተይከ እንታይ ወሪድወን ምኽፋት ዝኣበያኒ? ከምዚ ሰብ ቋሕ ከይብል ዝሽፍነኒ ዘሎ ይመስለኒ። ነፍሰይ ከም ዝለመሰ ረሸሽ ዝብለኒ ደኣ እንታይ እዩ ወሪዱኒ? ጓይላ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ። ኣብ ሕልሚ ድምጺ ትሰምዕ ዲኻ? ደቂሰ ድየ ዘለኹ? ንምዃኑ ኣበይ እየ ዘለኹ? ካበይ ዝመጸ ድምጽታት እዩ ዘናውጸኒ? እንታይ ደኣ እዩ ዝርኣየኒ ነገር ዘየሎ። እዚ ድምጺ መካይንን ሰባትንሲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ይመስል። ናይቲ ጓይላኸ ደኣ ካበይ መጺኡ ክብል እየ? ገዛና መሸም ኣይኮንኩን ዘለኹ።
... እሞ ንምንታይ ደኣ ድቃስ ከም ዘይጸገብኩ ደቅስ ደቅስ ዘብለኒ። እውይ! ገዛና’ምበር ኣለኹ ዮርዳ ሓብተይ ትኸይድ ኣላ፡ ሎሚ ደኣ ሰንበት’ንድዩ መርዓ ሓብተይ ...
እዚ ፍጻመ ካብ ዘጋጥመኒ ሓያል ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ዝኾነ ወጋሕታ ሰንበት እዩ - መርዓ እንኮን ኣዝየ ዝፈትዋን ሓብተይ። ቐዳም ምሸት ምስ ዝጀመረት ጓይላ ክልሀ ዝርካበን ጽዓተይ ጸንቂቐየን። ጓይላ ተወዲኡ ናብ መደቀሲ ክኸይድ ከለኹ ኣብራኸይ ምጻረይ ስኢነን ወለል ኢለናኒ። ኣብ ዓራተይ ብኽንደይ እዝግዮ ምስ በጻሕኩ፡ ዓራተይ ብደቂ መን ምዃኖም ዘይፈልጦም ህጻናት መሊኣ ጸኒሓትኒ። ብደወይ ክወድቕ ዝተረፈኒ ኣይነበረን። ኣዒንተይ ካብ ቁጽጽረይ ወጻኢ ሰም እናበላ ኣሸገራኒ። ብደወይ ከይድቅስ ከኣ ክቃለስ ነበረኒ። ነፍሰይ መውደቒ ሰኣንኩላ። ዓራት ሓብተይ’ውን ብእንጀራ ዝመልኣ ጊባቦታት መሊኣ። ዝነበረኒ ኣማራጺ ምስ’ዞም ህጻናት ምጽቕቓጥ ጥራይ እዩ። ኣጸግዕ ኣጸግዕ ኣቢለ ከኣ ናብ ዓራተይ ወዲቐ። ድቃስ ድዩ ሞት ወሲዱኒ ኣይተረደኣንን። ወጋሕታ ናይ ሰንበት ዘምሰየ ድኻም ስለ ዝጸቐጠኒ እዩ’ምበር ብሓቂ ዝሰማዕኩዎ ድምጺ እዩ ምስ ሕልሚ ዘጋገየኒ።
ሎሚ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልኩ ብቘልዓይ ዝገብርክዎ ነገር ክዝክር ከስሕቐኒ እዩ ዝነብር።
ዮርዳ ሓብተይ ቃል ኪዳን ክትኣስር እያ ትነቅል ነይራ። ገዲፎምኒ ኢለ እናተሻቐልኩ ነጢረ ካብ ዓራተይ ብምውራድ፡ ኣደይ ምስ’ተን እናደረፋ ዘፋንውኣ ዝነበራ ኣንስቲ ስለ ዝራእኽዋ ጎየ ብምኻድ “ኣደይ፡ ዮርዳኸ?” ኢለያ ብህውኽን ዓው ዝበለ ድምጽን።
“እንታይ ኢልካያ?” መለሰት ኣደይ ስንባደን ምግራምን ተሓዋዊስዋ።
“ክዳነይ ክትህበኒ” ዘረባይ ርቡጽ እዩ። እተን ኣንስቲ ክስሕቃ ጀመራ። ኣደይ’ውን ምስአን ሰሓቐት። “ደሓን ኣነ ክህበካ እየ ሓንሳእ ዓቕሊ ግበር” ትብለኒ።
ሰሓቃ ከየገደሰኒ፡ “ንሳ’ንድያ ኣቐሚጣቶ ኣበይ ኣላ ዘይትነግርኒ?” ገለ ኣንስቲ ክሳዕ ዝነብዓ ሰሓቃ። ሓንቲ ቤተ- ሰበይ ግና ዘረባይ ግዲ ባህ ኣቢልዋ ብክሳደይ ደጊፋ እናሰዓመት፡ “ሓብትኻ ደኣ ናይ ካልእ ኮይና ኣበይ ክትረኽባ” ኢላትኒ።
ብሓቂ! ብሓቂ! እቲ ናይ ቈልዓ ኣእምሮይ ክጸሮ ዘይክእል ቕንኢ መሪሩኒ ሃንደበት ከኣ ከይተረደኣኒ ንብዓት ኮረር ኮረር ኣበልኩ። “ኣበይ'ላ! ... ኣበይ'ላ ... ?!” ዲቕ ዝበለ ብኽያት ተተሓሓዝክዎ።
ኣደይ፡ “እዋእ! ኣብ መርዓ ሓብትኻ ዘይንባዕ ከም ቈልዓ ...” ኢላ ንብዓተይ ሓበሰትለይ። “ከም ቈልዓ” ምስ በለትኒ ቈልዓ ክነሰይ ዝጐበዝኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ብኽያተይ ውሒጠ። እታ ጥዕምትን ፍልይትን መዓልቲ በዚ ጀሚራ።
ክዳነይ ኣብ ምእላሽ ከለኹ መርዓውቲ ከይዶም እዮም። ምፍልላይ ጀሚራ። መባእስተይ ትርሕቐኒ ኣላ። ወርሒ ጥሪ ቁሪ ሒዛትለይ መጺኣ፡ ዝሕልሕል ክብለኒ ጀሚሩ። ምስ መን ደኣ እየ ዝበኣሶ? መን ከብክየኒ እዩ? መን ክስሕቐንኒ እዩ? ኣቤት! ባእስና ክጥዕም፡ ጭካነ ዘይተሓወሶ ባእሲ! ሓደ ሓደ ግዜስ ንጻወት ዲና ዘለና ንበኣስ ምፍላዩ እስእን።
ምሳሕ ክንበልዕ ኢና ተቐሪብና። ዮርዳ ሓብተይ እንጀራ ክትውስኽ ኢላ ተንሲኣ እንጀራ ሒዛ ምስ ተመልሰት፡ ኮፍ ክትብል ነቲ መንበር ብእግረይ ይስሕቦ’ሞ ኮፍ መበሊ ስኢና ንድሕሪት ትፍንሸር። ኣጋጣሚ ኣብ ትሕቲኣ ማይ ይጸንሕ’ሞ፡ ክዳና ይበላሾ። ከይተንስአት ክሃድም ኣሎኒ። ደድሕረይ ስለ ዝሰዓበት ናብ ልዕሊ ገዛና ዝነበረ ቐጽሪ ናይ ካንሸሎ ኣትየ ብድሕሪ ማዕጾ ተሓቢአ። እናተሃንደደት “ይርከብካ ጥራይ ኣንታ ባርያ” ጸርጸር እናበለት ከይረኣየትኒ ሓሊፋ። ምስ ሓለፈትኒ ካብ ዝተሓባእኩሉ ወጺአ “ሄይ በዚ ኣለኹ” ኢለያ። ኣብቲ ቐጽሪ ኮይና ጸጉራ ተጠቕሊላቶ ብጸሓይ ምስ ተንቅጽ ዝነበረት መሓዛኣ ተጠማሚታ ስሒቓ። ብሓርቖት ጓህሪ መሲሉ ዝነበረ ገጻ እንታይ እዋኑ ናብ ብርሃን ጸሓይ ተቐይሩ ገሪሙኒ።
ዮርዳ ማዕረ ክንደይ ከም ተፍቅረኒ ዝፈልጥ ምስ መሳቶይ ክበኣስ ከለኹ እየ። ድምጸይ እንተ ሰሚዓ ልባ ካብ ሰፈራ ክትወጽእ ክሳዕ ትደሊ ከም ኢራብ እናነጠረት መጺኣ ተገላግለኒ። ወረ ተገላግለኒ ጥራይ ኣይኮነን - ትዘርየለይ’ውን እያ። ኣብ ገዛውትና ከይተፈልጠት ዓብያ ብሰንከይ ግና ተፈሊጣ። ስድራይ’ውን ክቐጽዑኒ ኣይትደልን እያ። ትቐጽዓኒ ዘላ ኣደይ እንተ ኾይና፡ ኣብ መንጐ ኣትያ ተናግፈኒ። እቲ ዘይትደፍሮ ዓቢ ሓዉና ሃብቶም እንተ ኾይኑ ግና ንኽገድፈኒ ትልምኖ። እንተ ኣብዮማ ተሓቢኣ ትነብዕ። ፍቕራ ኣነ ክርእዮ ብፍጹም ኣይትደልን እያ። ኣነ ከም መቀናቕንታ ክፈልጣ እያ ትደሊ። ባእስና ንዮርዳ ደስታኣ እዩ። ኣነ ናይ ልበይ እሓርር፡ ንሳ ከኣ እናሰሓቐት ትላገጸለይ። ኣደይ፡ “ኣንቲ እንታይ ይብሉኺ ንስኺ። ኣይጓል ኣይመርዓት፡ ኣይሰንቆ ኣይዓበየት። ምስ ሕንጫል ቈልዓ ክትጻወቲ ባህ ኢሉኪ ድዩ” ኢላ ምስ እትገንሓ፡ ከም ዝኾረየት ኮርነፍ እናበለት ካብኣ እልይ ኢላ ትስሕቕ። ውሽጣዊ ሓጐስ ዘንቀሎ ሰሓቕ። በይንና ኣነን ንሳን ምስ ንህሉ ከተሕርቐኒ እያ ትፍትን። “ኣታ ባርያ” ቀዳመይቲ ጸርፋ ትጅምር። እንታይ ከም ትቕጽል ፍሉጥ እዩ። “ሓውና’ኮ ዘይኴንካ። ወዲ ዘንቢል” ከይተዛረበት ገሚተ ጸኒሐ፡ ነዛ ጸርፊ ፍጹም ኣይጸራን እየ። ዓቕለይ እያ ተጽብበለይ።
ኣነ ድማ ብቕጥና እየ ዝጸርፋ። “ቃጥሽ፡ እንታዴኺ ኣነ ወዲ ዘንቢል እየ? ...” ዝዛረቦን ዝገብሮን ኣይፈልጥን። ብሓይሊ ስለ ዘይክእላ ደንጎላ ናብ ምሓዝ ተጓየ። ንሳ ከኣ ገዛና ኣትያ ዓጽያቶ። “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ” ብእምኒ ዶግዲጎዮ። ኣደይ መጺኣ እንተ ዘይተዝሕለኒ ማዕጾ ኽሳዕ ዝስበር ኣይምገደፍኩን።