ሮበርት ኪዮሳኪ ንዓሰርተታት ሚልየናት ሰባት ኣብ ገንዘብ ዘሎዎም ኣጠማምታ ከም ዝቕይሩ ገይሩዎም እዩ። ኣብ ገንዘብን ወፍርን ዘሎዎ ኣጠማምታ ኣንጻር‘ቲ ንነዊሕ ዝጸንሐ ኣጠማምታ ብምዃኑ፡ ሮበርት ብግሉጽ ኣዘራርባኡን ድፍረቱን ከም ውፉይ ተጣባቒ ገንዘባዊ ትምህርቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ኣጥርዩ ይርከብ።

ባባ ናብ ስራሕ ይብገስ ነበረ። “እዞም ደቀይ! ኢድኩም እንተ ሂብኩም ጥራይ ኢኹም ድኻታት ትብሃሉ። እቲ ዘገድስ ገለ ነገር ምስራሕኩም እዩ። ዝበዝሑ ሰባት ብዛዕባ ገንዘብ ይሓልሙን ይዛረቡን ጥራይ እዮም። ኣዅሪዕኩምኒ ኢኹም። ተስፋ ኣይትቝረጹ፣ ቀጽሉ።”

ኣነን ማይክን ብዘይ ዘረባ ጠጠው በልና። ዘተባብዕ ዘረባ እዩ ነይሩ፣ እንታይ ከም ንገብር ግን ኣይፈለጥናን።

“ባባ፡ ንስኻ ደኣ እንታይ ኴንካ ዘይሃብተምካ?” ሓተትኩዎ።

“መምህር ምዃን ስለ ዝመረጽኩ። መምህራን ብዛዕባ ምህብታም ብዙሕ ኣይሓስቡን እዮም። ክሕግዘኩም ባህ ምበለኒ፣ ብዛዕባ ምህብታም ግን ዝፈልጦ የብለይን።”

ኣነን ማይክን ናብ ምጽርራይ ተመለስና።

“ክትህብትሙ እንተ ደሊኹም ንዓይ ኣይትሕተቱኒ። ማይክ ነቦኻ ዘይትሓቶ?”

“ነቦይ?” ማይክ ተገሪሙ ሓተቶ።

“እወ፡ ኣቦኻ፡” ባባ ፍሽኽ በለ። “ኣነን ኣቦኻን ሓደ ወኪል ባንክ እዩ ዘሎና። እቲ ወኪል ባንክ ብዛዕባ ኣቦኻ ካብ ምዝራብ ኣየዕርፍን እዩ። ኣቦኻ፡ ከመይ ጌርካ ይህብተም ይፈልጥ እዩ።”

“ኣቦይ?” ማይክ መሊሱ ተገሪሙ ሓተተ። “እንታይ ደኣ’ሞ ኸም’ቶም መማህርትና ጽብቕቲ ማኪናን ጽቡቕ ገዛን ዘይብልና?”

“ጽብቕቲ ማኪናን ጽቡቕ ገዛን ኣሎካ ማለት ሃብታም ኢኻ ወይ ከመይ ጌርካ ይህብተም ትፈልጥ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ኣቦ ጂሚ ኣብቲ ሕርሻ ሽኮር እዩ ዝሰርሕ። ካባይ ብዙሕ ዝፈልዮ የብሉን። ንሱ ኣብ ትሕቲ ትካል ይሰርሕ፡ ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ እሰርሕ። እታ ትካል እያ ማኪና ገዚኣትሉ። እታ ትካል ኣብ ገንዘባዊ ጸገም ስለ ዘላ ኸኣ ጽንሕ ኢሉ ኣቦ ጂሚ ኹሉ ነገር ክኸስር ይኽእል እዩ። ማይክ፡ ኣቦኻ ግን ፍሉይ እዩ። ሓደ ንግስነት እዩ ዝሃንጽ ዘሎ፣ ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣዝዩ ሃብታም ሰብ ክኸውን እዩ።”

እዚ ምስ ሰማዕና ኣነን ማይክን ተበራበርና። እታ ዘይዕውትቲ ንግድና ዝገደፈቶ ርስሓት ብንጥፈት ኣጸራረናዮ። እና’ጸራረና ኸለና መኣስን ብኸመይን ንኣቦ ማይክ ንዛረቦ መደባት ኣውጻእና። እቲ ጸገም ግን ኣቦ ማይክ ንሓያሎ ሰዓታት ክሰርሕ ውዒሉ፡ ለይቲ እዩ ንገዛ ዝኣቱ። ኣቦኡ መኽዘናት፡ ኩባንያ ህንጻ፡ ሓያሎ ድኳናትን ሰለስተ ኣባይቲ መግብን እዩ ዝውንን። እተን ኣባይቲ መግቢ ዓጻጽዩ ድማ ኣምስዩ ይኣቱ።

ኣጸራሪና ምስ ወዳእና ማይክ ናብ ገዛኡ ተመልሰ። ንኣቦኡ ኽሳዕ ገዛ ዝኣቱ ኽጽበዮ’ሞ፡ ከመይ ጌርካ ይህብተም ክሓቶ ተረዳዳእና። ዋላ ይምሰ ድማ ተዘራሪቦም ምስ ወድኡ ማይክ ክድውለለይ ተሰማማዕና።

ተሌፎንና ሰዓት 8:30 ናይ ምሸት ደወለት።

ኣቦኡ እትመጽእ ቀዳም ክረኽበና ኸም ዝተሰማምዐ ሓበረኒ።

ቀዳም ሰዓት 7:30 ናይ ንግሆ ናብቲ ድኻ ክፋል ከተማና እትወስድ ኣውቶቡስ ተሰቒለ ተበገስኩ።

ትምህርትና ይጅምር

“ንሰዓት ዓሰርተ ሳንቲም ክኸፍለኩም እየ፡”