ዝኾነ ሰብ ይኹን ተቕዋም እንታይ ከም ዝገብሩ ክገልጹዎ ይኽእሉ እዮም፣ ብኸመይ ካብ ካልኦት ከም ዝፍለዩ ወይ ዝበልጹ ክገልጹ ዝኽእሉ’ውን ኣለዉ፣ ስለምንታይ ክገልጹ ዝኽእሉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ወይ መኽሰብ ኣይኮነን - እዚኦም፡ ውጽኢታት እዮም። ስለምንታይ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣና ዘነቓቕሓናን ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዘነቓቕሕን ነገራት እዩ።

መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት፡ ናይታ ትካል’ቲኣ ሰራሕተኛታት ምዃኖም ኣዝዩ የሕፍሮም ነይሩ ምባል’ውን እኹል መግለጺ ኣይኮነን። እቶም ሰራሕተኛታት ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረሎም ዘሎ ኾይኑ ይስምዖም ምንባሩ ፍሉጥ ነገር እዩ ነይሩ። ሓንቲ ትካል ንኣባላታ ብሕማቕ ትሕዞም እንተ ኾይና ድማ ንሳቶም’ውን ንዓማዊሎም ብኸመይ ይቕበሉዎም ንመልከት። እምኒ ኻብ ጎቦ እና’ንከራረወ ምስ ዝወርድ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ታሕቲ ደው ኢልካ ምስ እትጸንሕ፡ ብምሉእ ሓይሉ እዩ ዝሃርመካ። ኣብ ትካላት ከኣ እቲ ኣብ ታሕቲ ዝጸንሕ ሰብ፡ ዓሚል እዩ። ናይ መገዲ ኣየር ኮንቲነንታል ህይወት 1980ታት’ምበኣር ከምዚ እዩ ዝመስል ነይሩ - ኣብ ኢንዱስትርያ መገዲ ኣየር እታ ዝሓመቐት ትካል።

ላዕለዋይ ሓላፊ ኮንቲነንታል ዝነበረ ጎርደን በትዩን ኣብታ From Worst to First (ካብ ድሕሪት ንቕድሚት) ዘርእስታ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትንሳኤ ናይ ኮንቲነንታል ዘሕለፎ ተመክሮ እተዘንቱ መጽሓፉ፤ “ለካቲት 1994 ናብ ኮንቲነንታል ምስ ኣተኹ እቲ ዝዓበየ ጸገም ሽዑ ንሽዑ እዩ ተራእዩኒ፣ እቲ ትካል፡ ንኽትሰርሓሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ቦታ እዩ ነይሩ። ሰራሕተኛታት ነንሓድሕዶም ይኹን ምስ ዓማዊል ይገራጨዉ ነይሮም፣ ብትካሎም’ውን ይሓፍሩ ነይሮም። ናብ ስራሕ ምውፋር ባህ ዘየብሎም ሰራሕተኛታት ሒዝካ ድማ ጽቡቕ ፍርያት ከተፍሪ ኣይከኣልን እዩ። ብፍጹም ኣይከኣልን እዩ።” ክብል ጽሒፉ ኣሎ።

ንዕስራ ዓመታት ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ሳውዝወስት ኮይኑ ዝመርሐ ሄርብ ኬለሀር፡ ሓደ እዋን ዝኾነት ትካል ብቐዳምነት ክትከናኸኖም ዘሎዋ ሰባት ሰራሕተኛታታ እዮም ብምባሉ ኸም ናይ ዓለም ዋኒን መናፍቕ ተቘጺሩ ነይሩ። እቲ መስርዕ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፤ ሕጒሳት ሰራሕተኛታት ኣለዉኻ ማለት ሕጒሳት ዓማዊል ኣለዉኻ ማለት እዩ፣ ንሰብ-ብርክኻ ተሐጒሰሉ ድማ ሕጒሳት ዓማዊል ብምሓዝ እዩ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ በትዩን’ውን ኣብዚ መናፍቓዊ ሓሳብ’ዚ ይኣምን ነይሩ።

ገለ ሰባት ናይ ኮንቲነንታል ባህሊ ስራሕ ኣዝዩ መርዛም ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እታ ትካል ኣብ ሕማቕ ደረጃ ስለ ዝወደቐት እዩ ኢሎም ክማጐቱ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሰባት’ዚኦም ሓንቲ ትካል ከቢድ እዋን ኣብ እተሕልፈሉ እዋን መራሕታ ኸመይ ገይሮም የስርሩዋ ጥራይ ክሓስቡ እዮም ዝግደዱ ይብሉ፤ “ናብ መኽሰብ ምኽዕባት ምስ ተመለስና ነቲ ኻልእ ነገራት ቊሊሕ ክንብሎ ኢና።” ብርግጽ ኮንቲነንታል ኣብ 1980ታት ይኹን ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ቃልሲ እያ ነይራ። እታ ትካል ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዓሰርተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኽትቀያይር ከላ፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመት ድማ ኽልተ ግዜ (ኣብ 1983 ከምኡ’ውን 1991) ናይ ጥፈሻ ሓለዋ ኽግበረላ ሓቲታ። ኣብ 1994፡ ኣብታ በትዩን ከም ሓድሽ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝተቘጽረላ ዓመት፡ እታ ትካል 600 ሚልየን ዶላር ከሲራን ብኹሉ መዐቀኒታት ኣብ መወዳእታ ተርታ ተሰሪዓን ነበረት።

በትዩን ምስ መጽአ ግን እዚ ኹሉ ነገራት’ዚ ክቕንጠጥ ነዊሕ ኣይወሰደሉን። ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ኮንቲነንታል 250 ሚልየን ዶላር መኽሰብ ክትረክብ ከላ ሓንቲ ኻብ’ተን ንኽትሰርሓለን ዝጠዓማ ትካላት ኣመሪካ ኽትከውን ከኣ በቕዐት። ዋላ’ኳ በትዩን ነቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ንኸማዕብል ኣገዳሲ ምቅይያራት እንተ ገበረ እቲ ዝዓበየ ዓወቱ ግን ክዕቀን ዘይክእል እዩ ነይሩ - ምህናጽ እምነት።

ሓደ ሸያጢ ንዓማዊሉ ኸወዓውዕ ከሎ ፍርያቱ ወይ ኣገልግሎቱ ኣገዳሲ ዝኾነሉ መጐታዊ መረዳእታ ብምምጻእ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፣ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ኸኣ ለውጢ ኸም ዝገብር ቃል ስለ ዝኣተወ ጥራይ እምነት ኣይህነጽን እዩ። እምነት፡ ዕማም ኣይኮነን፣ ኩሉ ዕማማትካ ምምላእ እምነት ኣየምጽእን እዩ። እምነት ስምዒት’ምበር ርትዓዊ ባህሪ ኣይኮነን። ንገለ ትካላት ጌጋ ነገር ረኺብናለን ክነስና እምነትና ኣይጐድልን፣ ንኻልኦት ድማ ጽቡቕ እናሃለዋ’ውን ክንኣምነን ኣይንኽእልን። ኩሉ ዕማማትካ ኣማሊእካ ማለት እምነት ኣውሒስካ ማለት ኣይኮነን። እምነት ክመጽእ እንተ ኾይኑ ሰባት ወይ ትካላት ክንዮ ረብሓኦም ንዝኸይድ ዕላማ ይሰርሑ ኸም ዘለዉ ኮይኑ ምስ ዝስምዓና እዩ።

እምነት እንተሎ ሓቀኛ ኽብሪ ይመጽእ፣ ምስ ገንዘብ ዘይመዓራረ ኽብሪ። ክብሪ ማለት’ኮ እምነት ምህላው እዩ። ከምቲ ሰባት ንኽኣምኑኻ ከተእምኖም ዘይትኽእል፡ ክብሪ ኸም ዘሎካ ድማ ኸተእምኖም ኣይከኣልን እዩ። እምነት ከተጥሪ እንተ ዄንካ ምስ ሰባት እናተዛራረብካ ሓደ ዓይነት ክብርታትን እምነትን ከም ዘሎካ ኸተርኢ ኣሎካ። ብዛዕባ እቲ ናትካ ስለምንታይ ክትዛረብን በቲ እትገብሮ ከተረጋግጾን ኣሎካ። ሕጂ’ውን ስለምንታይ እምነት ጥራይ እዩ፣ ነቲ እምነት ኣብ ግብሪ ብኸመይ ነውዕሎ ይስዕብ፣ እንታይ ንገብር ድማ ናይ’ዞም ተግባራት’ዚኦም ውጽኢት ይኸውን። እዞም ሰለስተ ነገራት ኣብ ሚዛን ምስ ዝመጽኡ እምነት ይህነጽ፡ ክብሪ ድማ ይፍጠር። በትዩን ድማ ኸምኡ እዩ ገይሩ።

456212433_799372019078699_7329707432207638548_n.jpg

ንሓደ ትካል ከካይዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ንፉዓት ሓለፍቲ ኣለዉ፣ ሓያል መሪሕነት ግን ኣብ ሓያል ምክያድ ስራሕ ጥራይ ዝምርኰስ ኣይኮነን። ምምራሕን መራሒ ምዃንን ሓደ ኣይኮነን። ብጻዕርኻ፡ ብዕድል ወይ ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ፖሊቲካ ነፊዕካ ናብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ብምድያብ መራሒ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምምራሕ ግን፡ ተኸፊሎም ወይ ስራሖም ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ ብድልየቶም ዝስዕቡኻ ሰባት ከተጥሪ ኸለኻ እዩ። ቅድሚ በትዩን ናይ ኮንቲነንታል ሓላፊ ዝነበረ ፍራንክ ሎሬንዞ ናይታ ትካል መራሒ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ነታ ትካል ብኸመይ ይመርሓ ዝፈለጠ ግን ጎርደን በትዩን እዩ። እዞም ክመርሑ ዝኽእሉ ሰባት’ዚኦም ክመርሑ እንተ ኾይኖም እቶም ዝስዕቡዎም ዘለዉ ሰባት እቲ ብላዕሊ ዝተወሰነ ውሳነ ንረብሓ ኹሎም ምዃኑ ኽኣምኑ ኣሎዎም። እቶም ዝኣመኑ ኸኣ ኻብኦም ንዝዓቢ ዕላማ ኢሎም ይሰርሑ ኸም ዘለዉ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም ኣበርቲዖም ይሰርሑ።

ቅድሚ ናይ በትዩን ግዜ፡ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ትካል ዝርከብ መበል ዕስራ ደርቢ ንሓለፍቲ ጥራይ ዝተሓዝአ ደርቢ እዩ ነይሩ። እተን ክፍልታት ዕጹዋት ብምንባረን እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ክኣትዉ ይፍቀደሎም ነበረ። እቲ ብፍሉይ መፍትሕ ጥራይ ዝእቶ ደርቢ ብምሉኡ ዂርናዓቱ ብናይ ሓለዋ ካሜራታት ዝተመልአ ነበረ፣ ብረት ዝዓጠቑ ሓለውቲ’ውን ነይሩዎ። እታ ትካል ናይ እምነት ጸገም ከም ዝነበራ’ምበኣር ንጹር እዩ ነይሩ። ፍራንክ ሎሬንዞ ኣብ ናይ ኮንቲነንታል ነፋሪት ክጓዓዝ ከሎ ባዕሉ ዝኸፈቶ እንተ ዘይኮይኑ ዝኾነ ልስሉስ መስተ ይሰቲ ኸም ዘይነበረ’ውን ይዕለል ነይሩ። ንዝኾነ ሰብ ይኣምን ስለ ዘይነበረ ዝኣምኖ ሰብ ኣይነበረን። እቶም ክትመርሖም ዝግብኣካ ሰባት ክስዕቡኻ ዝኾነ ድርኺት እንተ ዘይብሎም ከኣ ንኽትመርሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

በትዩን ግን ፍሉይ እዩ ነይሩ። ሓደ ትካል፡ ክንዮ ስርዓታቱን ቅርጹን፡ ናይ ሰባት እኩብ ምዃኑ ተረድአ። “ንሓኪምካ ኣይትሕሱዎን ኢኻ፣ ንሰራሕተኛታትካ ድማ ኽትሕሱዎም የብልካን።” ይብል በትዩን። በትዩን ንኹሎም ሰራሕተኛታቱ ኽኣምኑሉ ዝኽእሉ ገለ ነገር ብምሃብ ናይ ስራሕ ባህሎም ክቕይሮ ተበገሰ። በቶም ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን መሳርሒታትን ገይሩ ነታ ዝሓመቐት መገዲ ኣየር ናብ ዝበለጸት ንኽቕይር ዝፍጠሮ እምነት እንታይ እዩ ነይሩ?

ኣብ ኮለጅ፡ ሃዋርድ ጄሩኪሞዊትዝ ዝተባህለ መዳቕስተይ ነይሩ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኸኣ ኣብ ቺካጎ ኸም ጠበቓ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ሃዋርድ፡ ብንእሽቶኡ ብዛዕባ ናይ ሰባት ህርፋን ዝተማህራ ቐላል ትምህርቲ ነይራ። ኣብታ ዝዓበየላ ኒውዮርክ ዝጻወተላ ዝነበረ ናይ ንኣሽቱ ጋንታ ሻኲ-ኣመሪካ ናይ ከባቢኦም ዝሓመቐት ጋንታ እያ ነይራ። ዳርጋ ኣብ ነፍስወከፍ ግጥም ብኣዝዩ ዘሕፍር ውጽኢት ይሰዓሩ ነይሮም። ኣሰልጣኒኦም ጥዑይ ሰብ ስለ ዝነበረ ኣብ’ቶም ንኣሽቱ ስፖርተኛታት እወታዊ ኣተሓሳስባ ኽዘርእ ይደሊ ነይሩ። ሓንቲ መዓልቲ፡ ድሕሪ ዘሕፍር ስዕረት፡ ንኹሎም ኣባላት ኣኪቡ፤ “ከመይ ተጻዊትካ’ምበር መን ስዒሩ መን ተሳዒሩ ኣየገድስን እዩ።” ክብል  ተዛረቦም። ሃዋርድ ድማ ኢዱ ሓፍ ብምባል፤ “ንምንታይ ደኣ’ሞ ነጥቢ ንሕዝ?” ክብል ዝሓተቶ።

ሃዋርድ ገና ኣዝዩ ንእሽቶ ኸሎ እዩ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰባት ዘሎ ኽትስዕር ናይ ምድላይ ምሒር ባህጊ ተማሂሩ። ክሰዓር ዝደሊ ሰብ የሎን፣ መብዛሕትኦም ጥዑያት ሰባት ድማ ንኽስዕሩ እዮም ህይወቶም ዝመርሑ። እቲ ፍልልይ ግን ኣብቲ እንጥቀመሉ ነጥብታት እዩ። ንገሌና ገንዘብ፣ ንገሌና፡ ተፈላጥነት ወይ ሽልማት፣ ንገሌና ድማ ስልጣን፡ ፍቕሪ፡ ስድራቤት ወይ’ውን መንፈሳዊ ዕግበት ክኸውን ይኽእል። እቲ መዐቀኒታት ተዛማዲ እዩ፣ እቲ ባህጊ ግን ሓደ ዓይነት እዩ። ንኣብነት፤ ሓደ ብዓል-ቢልየናት ምስራሕ ኣየድልዮን እዩ። ነዚ ሰብ’ዚ ገንዘብ፡ ንዂነታቱ ዝመዝነሉ ተዛማዲ መዐቀኒ እዩ። ግን ብዓል-ቢልየናት እንተ ኾነ’ውን ብሰንኪ ሕማቕ ውሳነ ሚልየናት ክኸስር ከሎ ኽጒሂ ይኽእል እዩ። ዋላ’ኳ እቲ ኽሳራ ኣብ ኣነባብራኡ ዝፈጥሮ ጽልዋ እንተ ዘየሎ ኽሰዓር ኣይደልን እዩ።

ክትዕወት ምድላይ ሕማቕ ነገር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ እቲ እትጥቀመሉ ነጥብታት ከም እንኮ መዐቀኒ ዓወትካ ኽትርእዮ ምስ ጀመርካ ኸምኡ’ውን ዓወትካን እቲ ዝተበገስካሉ ስለምንታይን ምስ ዝፈላለ ጸገም ይፍጠር።

በትዩን፡ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ኮንቲነንታል ክዕወቱ እንተ ደልዮም ክዕወቱ ኸም ዝኽእሉ ኸእምን እዩ ተበጊሱ። መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ከኣ ሓቁ እንተ ኾነ ንኽርእዩ ኢሎም ኣብቲ ትካል ጸንሑ። እዚ ግን ብዘይካ ገለ ውሑዳት ማለት እዩ። ሓደ እዋን ብሰንኪ ምድንጓዩ ምልእቲ ነፋሪት ከም እትጽበዮ ዝገበረ ሓላፊ ኸምኡ’ውን ካልኦት 39 ካብ’ቶም ስሳ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኽኣምኑ ስለ ዘይከኣሉ ኻብቲ ስራሕ ክወጽኡ ተሓቲቶም። ተመክሮኦም ይኹን ብቕዓቶም ብዘየገድስ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ዘይኣምኑን ምስቲ በትዩን ክምስርቶ ዝደሊ ዝነበረ ናይ ስራሕ ባህሊ ዘይሰማምዑን እንተ ኾይኖም ካብቲ ትካል ክለቁ ተሓተቱ። ኣብታ ሓዳሽ ኮንቲነንታል ንዘይኣምኑ ሰባት ዝኸውን ቦታ ኣይነበረን።

በትዩን፡ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኣስሚርካ ኸም ዝዕወቱ ምግባር፡ ካብ ገለ ስምዒት ዘለዓዕል መደረታት ምግባርን ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ መቚሽሽ ምሃብን ንላዕሊ ኸም ዝሓቶ ፈሊጡ ነይሩ። ሓቀኛን ነባርን ዓወት ከምጽእ እንተ ኾይኑ ሰራሕተኛታቱ ንኡ ወይ ንወነንቲ ብርኪ ወይ’ውን ንዓማዊል ኢሎም ክዕወቱ ኸም ዘይግባእ ተረድአ። ነባሪ ዓወት ክህሉ እንተ ኾይኑ ሰራሕተኛታት ኮንቲነንታል ንገዛእ-ርእሶም ኢሎም ክዕወቱ ኽደልዩ ነይሩዎም።

ኩሉ ዘረባኡ ብመንጽር ረብሓ ሰራሕተኛታቱ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፤ ኣብ ክንዲ ‘ንነፈርትና ንዓማዊልና ኢልና ኸነጽርየን ኣሎና’ ዝብሎም ካልእ ዝቐለለ ምኽንያት ኣምጽአ። ተጓዓዝቲ ጒዕዞም ምስ ወድኡ ኻብ’ተን ነፈርቲ ኽወርዱ ኸለዉ እቶም ሰራሕተኛታት ግን ብውሕዱ ኻልኣይቲ በረራ የካይዱ ነይሮም። ስለዚ ቦታ ስራሖም ምጽራይ ብዓቢኡ ነቶም ሰራሕተኛታት እዩ ዘርብሕ ነይሩ።