ዝመርሓኒ ጓሳ ዝጽበ በጊዕ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣንበሳ እየ፣ ምስ ኣባጊዕ ክጓዓዝን ክድቅስን ክዛረብን ድማ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን። ሕማሞም ተላባዒ ብምዃኑ፡ ነቶም ዘዕዘምዝሙን ዘመሳምሱን ኣይክሰምዖምን እየ። ንሳቶም ናብተን ኣባጊዕ ይጸንበሩ። ኣነ ግና ቤት-ማሕረዲ ፍሽለት ጽሕፍቶይ ኣይኮነን። ደጋጊመ ክፍትን፡ ክፍትን፡ ክፍትን እየ። ንነፍስወከፍ መሰናኽል ከም ናብ ሸቶይ ዝመርሓኒ መገድን ንሞያይ ዝጸርብ መንደልን ክወስዳ እየ። ልክዕ ከምቲ ባሕረኛ ኣንጻር ነፍስወከፍ ማዕበል ብምሕንባስ ጥንካረ ዘማዕብል ኣነ’ውን ብተመሳሳሊ ጸኒዐ ብቕዓተይ ከዕቢ እየ። ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ኣብ ስጳኛ፡ ዝራብዓት ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ቅድሚ ምፍላሞም ንምድላዎም ተባሂሉ ዝትግበር ፍሉይ ኣገባብ ኣሎ። ነፍስወከፎም ናብቲ ዝስልጥኑሉ ዛሬባ ተወሲዶም ንሓደ ነዊሕ ሽኽላ ተጠቒሙ ዝወግኦም ፒካዶር ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓራዳይ ከም ዘጥቕዑ እዩ ዝግበር። ትብዓት ነፍስወከፍ ኣርሓ ድማ ነቲ ዝወርዶ መውጋእቲ ተጻዊሩ ክንደይ ግዜ ንመጥቃዕቲ ይጠንን ብምዕዛብ እዩ ዝውሰን። እምበኣር ኣነ’ውን ኣብ ህይወት በዚ ኣገባብ’ዚ ከም ዝፍተን ከስተውዕል እየ። ጸኒዐ፡ ከይተሓለልኩ ምፍታን ዘየቛሪጸ፡ ንቕድሚት ምስጓም እንተ ቐጺለ ክዕወት እየ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ኣብዛ ዓለም ንስዕረት ኢደይ ኣይክህብን እየ፣ ውድቀት ድማ ብፍጹም ቘርበተይ በሲዑ ኣይከሕምቐንን እዩ። ዝመርሓኒ ጓሳ ዝጽበ በጊዕ ኣይኮንኩን። ኣንበሳ እየ፣ ምስ ኣባጊዕ ክጓዓዝን ክድቅስን ክዛረብን ድማ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን። ሕማሞም ተላባዒ ብምዃኑ፡ ነቶም ዘዕዘምዝሙን ዘመሳምሱን ኣይክሰምዖምን እየ። ንሳቶም ናብ’ተን ኣባጊዕ ይጸንበሩ። ጽሕፍቶይ፡ ቤት-ማሕረዲ ፍሽለት ኣይኮነን።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ስልማት ህይወት ኣብ መጠረሽታ ናይቲ ጕዕዞ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ጥቓ ምጅማር ኣይኮነን ዝዕደል፣ ናብ ሸቶይ ንኽበጽሕ ክንደይ ስጕምታት ከም ዘድልየኒ ድማ ኣይተሓበረንን። ውድቀት፡ ዋላ’ኳ ኣብ መበል ሽሕ ስጕምተይ’ውን ክትገጥመኒ ትኽእል’ኳ እንተ ኾነት፡ ዓወት ግዳ ድሕሪ እታ ንኣ ስዒባ እትርከብ ኵርናዕ እያ ተሓቢኣ ትጸንሕ።
ኵሉ እዋን ተወሳኺ ስጕምቲ ክስጕም እየ። እዚ እኹል እንተ ዘይኮይኑ ኻልእ’ውን ክውስኽ እየ። ግደ ሓቂ፡ ሓደ ስጕምቲ ኣብ ሓደ እዋን ከቢድ ኣይኮነን።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ምእንቲ’ዚ እምበኣር፡ ነፍስወከፍ መዓልቲ ከም ንሓደ ዓርሞሽሽ ኦም ከውድቕ ሓሊነ ዝሰዳ ሓንቲ ህርሚት ፋስ ክወስዳ እየ። እታ ቀዳመይቲ ህርሚት ምናልባት ኣብቲ ዓርሞሸሽ ኦም ዝኾነ በሰላ ከይትገድፍ ትኽእል እያ፣ እታ ካልኣይቲ ትኹን እታ ሳልሰይቲ’ውን ብተመሳሳሊ። ነፍስወከፍ ህርሚት ንበይና ኣገዳስነት ዘይብላን ዝኾነ ሳዕቤን ዘይተኸትልን ክትመስል ትኽእል እያ። ግዳኸ እዘን ህርሚታት’ዚአን ዋላ’ውን ኣዝየን ድኹማት እንተ ኾና ተደሚረን ኣብ መወዳእታኡ እቲ ገረብ ከም ዝነቓነቕ ክገብራ እየን። እዞም ሎሚ ዝገብሮም ዘለኹ ሃቐናታት’ውን ብተመሳሳሊ።
ኣነ፡ ልክዕ ከምቲ ምስ ተዋህለለ ንእምባ ሓጺቡ ዝጸርግ ነጠብታ ዝናብ፡ እቲ ንነብሪ ዘመሽምሽ ጻጸ፡ እታ ንመሬት እተብርህ ኮኾብ፡ እቲ ሃረም ዝሃነጸ ጊልያ ክኸውን እየ። ንቤት-መቕደሰይ ኣብ ነፍስወከፍ ህሞት ሓንቲ ሕጡብ እና’ንበርኩ ክሃንጻ እየ፣ እቲ ምንታይሲ፡ ንኣሽቱ ተግባራት፡ ምስ ተደጋገሙ፡ ዕቤቱ ብዘየገድስ ንዝኾነ ዕዮ ከም ዝዓሙ እፈልጥ እየ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።
ውድቀት ከም ምርጫ ኣይክወስድን እየ፣ ከም ምቍራጽ፡ ኣይክእሎን እየ፡ ኣይተኻእለንን፡ ዘይከውን፡ ብፍጹም ዘይሕሰብ፡ ዘይመስል፡ ውድቀት፡ ዘይሰርሕ፡ ተስፋ-ኣልቦ ከምኡ’ውን ምዝላቕ ዝኣመሰሉ ቃላትን ሓረጋትን ድማ ቃላት ዓያሹ ብምዃኖም ካብ መዝገበ-ቓላተይ ክሓኮም እየ። ዕርበተ-ሕልና ከወግድ እየ፣ ግዳኸ ዋላ’ውን በዚ ሕማም ኣእምሮ’ዚ እንተ ተጠቓዕኩ ካብ ምዕያይ ደው ኣይክብልን እየ። ተጸሚመ ሓርኮትኮት ክብል እየ። ነቶም ኣብ ኣእጋረይ ዘለዉ መሰናኽላት ጐስየ እብ’ቶም ልዕሊ ርእሰይ ዘቐመጥክዎም ሸቶታት ከድህብ እየ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ድሩቓት ምድረ-በዳታት ዝውድኡሉ ዶብ እዮም ሓምላይ ሮማዲታት ዝበቝሉ።
ክሳዕ ዝዕወት ኣይክሕለልን እየ።