ዓወትካ ኣብ ቁጠባዊ ኵነታት ሃገርካ፡ እዋናዊ ጠለብ ዝረኽቡ ዘለዉ ዓይነታት ሞያ ይኹን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣይምርኰስን እዩ። በቲ ሰባት ኣይትኽእሎን ኢኻ ዝብሉኻ ወይ ድማ በቲ ሓጺሩኒ ትብሎ ጸጋታት ተሰናኺልካ ደው ምባል ኣየድልን እዩ። እዛ መጽሓፍ፡ መን ምዃንካ ወይ ካበይ መጺእካ ብዘየገድስ ንራእይካ ምልኣት ከም ትህብ ዝገብሩ ብሉጻት መምርሒታት ሒዛ ኣላ።
ንስኻ ግን ‘ተራ’ ናብራ ኽትነብር ዝተፈጠርካ ስለ ዘይኮንካ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ዓይነት ኣነባብራ ትነብር እንተለኻ ከቶ ሕጒስ ኣይክትከውንን ኢኻ። ኣምላኽ ምስ ኣከባቢኻ ተሓዋዊስካ ኽትነብር ዘይኮነ፡ ፍልይ ኢልካ ኽትወጽእ ኢሉ እዩ ሰሪሑካ። እስከ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕንባባታት ሕሰብ። ኩሎም ዕንባባታት እዮም፡ ኩሎም ግን ሓደ ምስ ሓደ ዘመሳስል ዘይብሎም ዝተፈላለዩ ዓይነት እዮም። ብዛዕባ ጫካ ሕሰብ። መጀመርታ እቶም ኣግራብ ሓደ ዓይነት ኮይኖም እዮም ዝረኣዩኻ፣ ቀሪብካ ምስ እትጥምቶም ግን ናይ ነፍስወከፍ ገረብ ቅርጺ ዝተፈላለየ ምዃኑ ተስተውዕል። ነፍስወከፍ ዓይነት ገረብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ቕርጺ ኣቚጽልቲ ኸም ዘሎዎ ትርዳእ። ስለምንታይ? ፍሉይነት፡ ሓደ ኽፋል ፍጥረት ኣምላኽ እዩ።
ኣብ ሰባት መጺእና’ውን ውልቃዊ ኣፈጣጥራ ኸምኡ እዩ። ኣምላኽ፡ ኣብ መንጐ ካልኦት ኣትዩ ኽጠፍእ ዝደልዮ ሰብ የሎን። እስከ ሕሰቦ! ኣብዛ ፕላነት ልዕሊ ሽድሽተ ቢልየን ሰባት ኣለዉ፣ ግን ሓደ’ኳ ኸም ናትካ ዝመስል ኣሰር ኢድ ዘሎዎ የሎን። ነዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ሓቂ’ዚ ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣቲና ንጠፍእ ክሳዕ ዘለና ግን ንነብስና ቐጻሊ ኸነዘኻኽራ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ከም ‘ተራ ሰብ’ ክሓስቡኻ ይኽእሉ እዮም፣ ግን ተጋግዮም ኣለዉ። ንዝኾነ ሰብ ከም ተራ ሰብ ገይሩ ክቘጽረካ ኣይትፍቀድ። ዝኾነ ሰብ ካብቲ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ትሓስባ ኣትሒትካ ኸም ትሓስባ ምስ ዝገብረካ፡ ኣብ ቅድሚ መስትያት ኴንካ ንገዛእ ነብስኻ፤ “ንስኻ ብሉጽ ፍጥረት ኢኻ!” በላ። ንስኻ መተካእታ-ኣልቦን ፍሉይን ፍጥረት ኢኻ፣ ኣብዛ ምድሪ ንኣኻ ዝመስል ዝኾነ ፍጡር የሎን። ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ዝፈጠረካ ንዘለዓለም ፍሉይ ኴንካ ኽትነብር ስለ ዝደለየ እዩ።
ኣብ ስነ-ቚጠባ፡ ናይ ሓደ ነገር ዋጋ ዝውስን ረቛሒ ኽንዲ ምንታይ ይርከብ ወይ ይሰኣን እዩ። ንኣብነት፤ ሓቀኛ ሉል ኣብ ውሽጢ ሒደት እንስሳታት ስለ ዝርከብ ኣዝዩ ኽቡር እዩ፣ ሃሰስ ኢልካ እዩ ዝርከብ። ሓቀኛ ኣልማዝ ኣዝዩ ኽቡር እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ዝመስሉ ኣልማዝ ኣይርከቡን እዮም። ወርቂ ንባዕሉ ንኽትረኽቦ ኣዝዩ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ስለ ዝኾነ ዋጋኡ ኽቡር እዩ። ነዳዲ’ውን ኣዕሚቚካ ዂዒትካ ዝርከብ’ምበር ኣብ ገበላኻ ፈሲሱ ትረኽቦ ነገር ስለ ዘይኮነ ብኽቡር ዋጋ ኢኻ ትዕድጎ።
ብተመሳሳሊ ኣምላኽ ንዘለዓለም ክቡር ክትከውን ስለ ዝደለየካ ንዘለዓለም ፍሉይ ከም ትኸውን ገይሩ ሰሪሑካ። ፍሉይ ዓይነት ገይሩ ፈጢሩካ። ናብ ሓደ ምጉዳል ዋጋ ዝገበረ እንዳ ኽዳውንቲ እንተ ኣቲኻ ዝበዝሑ ቐምሻት፡ ናይ ስፖርት ልብስታት ወይ’ውን ክራቫታታት ኣዝዮም ተመሳሰልቲ ምዃኖም ኢኻ ተስተብህል። ሓደ ዓይነት ቅድን ሕብርን ዘለዎም ዕስራ ዝኾኑ ኽዳውንቲ ትርኢ። እዞም ክዳውንቲ’ዚኦም ብብዝሒ ስለ ዝፈረዩ ብሕስር ዝበለ ዋጋ ኽትረኽቦም ኣይትጽገምን ኢኻ። ፍሉይ ቀምሽ ምስ ትደሊ ግና ናብ ሰፋያይ ክትከይድ ኣሎካ።
ንስኻ ከም’ዞም ብብዝሒ ዝፈርዩ ኽዳውንቲ ኣይኮንካን፣ ኣምላኽ ኣብ ናይ መሸጢ መደርደሪ ኣይቐመጠካን፣ ንስኻ ብኣዝዩ ኽኢላ ሰፋያይ ዝተሰራሕካ ፍሉይ ፍጥረት ኢኻ።
ፍሉይ ራእይ ሒዝካ ኢኻ ተወሊድካ
ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ንነፍስወከፍ ሰብ ፍሉይ ገይሩ ጥራይ ዘይኮነ ፈጢሩዎ ኣብ ውሽጢ ነፍስወከፍ ሰብ ፍሉይ ራእይ ኣቐሚጡ እዩ። ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ ዝኾነ ሰብ ነዚ ራእይ’ዚ ኽህበካ ኣይክእልን እዩ። ናብ ዘይተኣደኑ ሰሚናራት ኬድካ ድንቂ ዝኾነ ሓበሬታ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ ምልኣት ክትህቦ ዝተወለድካሉ ሓሳብ ዝህበካ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ።
ሃብታም ይኹን ድኻ፡ ጸሊም ይኹን ጻዕዳ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጡ ሕልሚ ኣሎዎ። ምናልባት ራእይኻ ድሮ ነጺሩልካ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ’ውን ገና ኣብ መዓሙቕ ልብኻ ተቐቢሩ ንኽትድህስሶ ይጽበየካ ይህሉ ይኸውን። ንህይወትካ ዕላማን ትርጒምን ከም ዝህልዋ ዝገብር፡ ነዚ ሕልሚ’ዚ ኽዉን ንምግባር እትገብሮ ጻዕሪ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ህይወትካ እቲ ኣውራ ነገር ንመደብ ኣምላኽ ረኺብካ ምልኣት ምሃብ እዩ። ነዚ ኽሳዕ ዘይገበርካ ድማ ናይ ብሓቂ ትነብር የለኻን ማለት እዩ።
ኣምላኽ ንዘለዓለም ተሰኪሙካ ዝኸይድ ንኣኻ ዝኸውን ሕልምን ራእይን ሕልምን ኣሎዎ። ክትመውት ከለኻ፡ ዝጨበጥካዮ ዕላማ’ምበር ጡረታ ሒዝካ ኣይኮንካን ነዛ ዓለም ትሓድጋ። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ኸም እየሱስ፤ “ተፈጸመ” (ዮሃ. 19፡30) ከም ትብል ርግጸኛ ኽትከውን’ምበር “ጡረታ ወጺአ” ከይትብል ምጥንቃቕ ከድልየካ እዩ፣ ካብ ጡረታ ምውጻእ ንላዕሊ እቲ ኣባኻ ዘሎ ሕልሚ ኣዝዩ ይዓቢ።
እየሱስ “… ኣነ ንሓቂ ክምስክር እየ ዝተወለድኩ፣ ምእንቲ እዚ’ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ …” (ዮሃ. 18፡37) ኢሉ። ከምቲ እየሱስ ዝነበሮ፡ ኣብ ህይወትካ ንምንታይ ከም ዘለኻ ንጹር ምኽንያት ክህሉወካ ኣሎዎ። ኣነ ናተይ ምኽንያት እፈልጦ እየ፣ ንሱ ኸኣ መራሕቲ ዝኾኑ ኸሰልጥን’ሞ ንሳቶም ድማ ንመላእ ሃገሮምን ንዝመጽእ ትውልድን ጽልዋ ንኽገድፉ ኽምልምል እየ ተወሊደ። ናይ ምንባረይ ምኽንያት እዚ እዩ። በቃ! ዝተወለድኩሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብ ዝረኽቦ ሕቡእ መራሒ ደሪኸ ንኸውጽኦ እዩ። ንስኻ ኣብ ከባቢየይ ምስ እትህሉ ሃንደበት ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ክስምዓካ እዩ። ምሳይ ንንውሕ ዝበለ እኹል ግዜ እንተ ጸኒሕካ እቲ ሓቀኛ ንስኻ ክትከውን ክትጅምር ኢኻ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ፡ ኣነ ንኸምኡ እየ ተወሊደ። ከምኡ ኽገብር እየ ተሰሪሐ። ንኣኻኸ ኣምላኽ እንታይ ንኽትገብር እዩ ሰሪሑካ?
ብገለ ነገር ክትፍለጥ ኢኻ ተፈጢርካ
ነፍስወከፍ ሰብ ካልእ ሰብ ጨቢጡዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ነገር ንኽጭብጥ እዩ ተፈጢሩ። ነዚ ዝስዕብ ወሳኒ ሓቂ ኽትርድኦ ኣሎካ፤ ንስኻ ብሓደ ፍሉይ ነገር ንኽትፍለጥ ኢኻ ተሰሪሕካ። ወትሩ ተዘካሪ ኽገብረካ ዝኽእል ነገር ክትገብር ኢኻ ተፈጢርካ። ዓለም ዕሽሽ ዘይትብሎ ነገር ከተበርክት ኢኻ ተፈጢርካ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓለም ክትርስዖ ዘይትኽእል ንኣሽቱ ነገራት ናይ ዝገበሩ ሰባት ዛንታታት ዝሰነደ ዓቢ መጽሓፍ እዩ። ሓንቲ ኣብነት ክንጠቅስ፤ ረኣብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ገና ዘይፈለጠቶም ሰብኡት ኣብ ቤታ ብምሕባእ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወት። ንናይ እያሱ ሰለይቲ ኽትሓብእ’ሞ እስራኤላውያን ንእያሪኮ ኸፍርሱዋ ኢላ ዝተወልደት ሰበይቲ እያ። (እያ. 2፡6) መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ዘንበበ ሰብ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሳ ዝገበረቶ ናይ ጅግንነት ስራሕ ይፈልጥ እዩ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን፣ ናይ ሓንቲ ቕዱይ ሽቱ ሒዛ ብምምጻእ፡ ርእሲ ናይ እየሱስ ዝቐብአት ሰበይቲ ዛንታ ኣሎ። እዛ ሰበይቲ’ዚኣ ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ማሕበራዊ ስርዓት ብምጥሓስ ነቶም ክምስሑ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰብኡት ብምርባሽ እያ እቲ ዝደለየቶ ኽትገብር ክኢላ። ዝመጽኣ ሳዕቤን ከይተገደሰት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ተፍስሶ ዝነበረት ሽቱ ምኽንያት ገይራ ህይወታ ንእየሱስ ከተወፊ ወሰነት። ገለ ኻብ’ቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ እየሱስ ዘፍስሰቶ ቕዱይ ሽቱ ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝነበረ ኣብ ክንዲ ተሸይጡ ንድኻታት ዝዕደል፡ ንምንታይ ኣብ ዘይከውን ተፍስሶ ብምባል ኣትሪሮም ወቐሱዋ። እየሱስ ግን ከምዚ በሎም፤ “ነዛ ሰበይቲ ንምንታይ ትድህሉዋ ኣለኹም? ሕደጉዋ … እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኩሉ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ከም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” (ማር. 14፡6-9)። ስለዚ እቲ ተበርክቶ ዘለኻ ነገር ዕብየቱ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ህይወትካ ዝወፈኻሉ ምስ ዝኸውን ፈጺሙ ኣይክርሳዕን እዩ።
ንህይወትካ ዝኸውን ራእይ