ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣብ ሕመረት መደረኡ ዝተመርኰሰ ናይ ገዛእ ህይወቱን ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱ ዝረኸቦም ሰባትን ጽዋታት ኣጠቓሊሉ ይርከብ። እዚ ጽዋታት’ዚ ከመይ ጌርና ንዝገጥመና ብድሆታት ብቘራጽነት፡ ለውሃት፡ ክብርን ትብዓትን ንሰግሮም እዩ ዝምህር።

ባራካ መደበር መባእታዊ ታዕሊም ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ (ኣብ ሰማይ፡ ምድሪ ይኹን ባሕሪ ናይ ምውጋእ ብቕዓት ዘሎዎም ፍሉያት ሓይልታት) ሰለስተ ደርብታት ዘሎዎ፡ ካብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ተስዓ ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኮኖራድ ካሊፎርንያ ዝተደኰነ ጠላሕ ዝብል መልክዕ ዘይብሉ ህንጻ እዩ። እቲ ህንጻ መሳለጥያ መዝሓሊ ኣየር ዝተዋደደሉ ብዘይ ምዃኑ፡ ለይቲ መሳኹቱ ኣብ ዝኽፈቱሉ እዋን፡ ድምጺ ናይቶም ብዘይ ዕረፍቲ ምስቲ ሑጻ ናይቲ ገማግም ዝራጸሙ ማዕበላት ብንጹር እዩ ዝስማዕ።

ኣብቲ ባራካ ዘለዉ ኽፍልታት ዘይተጸባበቑ ሌጣ እዮም። እቲ ኣነ ምስ ካልኦት ሰለስተ ብጾተይ ዝተመደብኩሉ ሓደ ካብ ክፍሊ ኣባላት፡ ካብ ኣርባዕተ ዓራውትን ዲቪዛ ነቐምጠሉ ከብሕን ሓሊፍካ ዝርአ ንብረት የብሉን። ኣብዚ ባራካ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ነፍስወከፍ ንግሆ ብንጥፈት ተንሲአ ዓራተይ ምንጻፍ ቀዳማይ መዓልታዊ ዕዮይ ነበረ። ኣብዛ ብቝጽጽር ዲቪዛ፡ ምሕንባስ ነዊሕ ርሕቀት፡ ናይ መሰናኽል ስልጠና፡ ከምኡ’ውን ዘይዓርፍ ምስርጣይ ካብ ዓለምተይ ዝመልአት መዓልቲ፡ ቀዳማይ ንጥፈተይ እዚ ነበረ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ዓላሚ ናብ ክፍልና ምስ መጽአ፣ መራሒ ኽፍሊ ምክትል ተለንተ ዳንል ስቲዋርድ “ኵልኻ ኣስተውዕል!” ክብል ጨደረ። እቲ ዓላሚ ናብቲ ዝነበርክዎ ብዝቐረበ፡ ኵርኹረ ኣእጋረይ ወጢረ ብምጽናዕ ኣብ እግሪ ዓራተይ ቀጥ ኢለ ደው በልኩ። እቲ ዓላሚ፡ ብጸዋግን ስምዒት ዘይንበቦን ኣንደበት፡ ኣብቲ ሓምላይ ቆቢዐይን ዲቪዛይን ዝርከቡ ሸሞንተ ስፋያት ወይ ኵርናዓት ነፍሲ ወከፎም ብዝግባእ ሰጥ ኢሎም ከምዘለዉ ክፍትሽ ጀመረ። ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብጥንቃቐ ብምውራድ ድማ ንነፍስወከፍ ሰንቲሜተር ዲቪዛይ ብደቂቕ ፈተሸ። ዕጻፋት እስትራር ናይ ካምቻይን ስረይን ሓደ መስመር ሒዞም ኣለዉዶ፧ ኣስራዚ ቝልፈይ ልክዕ ከም መስትያት የንጸባርቕ ኣሎዶ፧ ኣብ መወዳእትኡ መለክዒታት መዓስከር ታዕሊም ከም ዘማላእኩ ስለ ዝኣመነ፡ ዓራተይ ናብ ምፍታሽ ሰገረ።

ዓራውትና ልክዕ ከም ክፍልና ሌጣ መልክዕ ነበሮም። ብሓጺን ዝተሰርሐ መቓን መጻውርን ፍርናሽን ጥራይ ዘካተቱ ነበሩ። ፍርናሽ ብታሕተዋይ ኣንሶላ ክሽፈን ከሎ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ላዕለዋይ ኣንሶላ ይንጸፍ። ጨላይ ዝሕብሩ ኣብ ትሕቲ ፍርናሽ ዝሽኳዕ ኮቦርታ፡ ኵነታት ኣየር ሳን ዲየጎ ቖራሪ ኣብ ዝኾነሎም ለይትታት፡ ቀንዲ ምንጪ ሙቐት ነበረ። ካልኣይ ኮቦርታ ብውሕልነት ናብ ርቡዕ ኵርናዕ ተዓጺፉ ኣብ ታሕተዋይ ወገን ዓራት ክቕመጥ ከሎ፡ ኣብ ላዕለዋይ ወገን ዓራት ድማ ሓንቲ መተርኣስ ምስቲ ኣብ ታሕተዋይ ወገን ዝተቐመጠ ኮቦርታ፡ ብናይ ተስዓ ዲግሪ ቕኑዕ ኵርናዕ መቒላ ኣብ ማእከል ትቕመጥ። እቲ ግቡእ ኣነጻጽፋ ዓራት ከምኡ እዩ ዝነበረ። ነዚ መለክዒ ብዝኾነ ዓቐን ምስ ዝጥሕስ ግና፡ ናብ ገምገም ባሕሪ ወሪደ ካብ ርእሰይ ክሳብ ጽፍሪ እግረይ ብጥሉል ሑጻ ክሳብ ዝሽፈን ከንከራሩ ኣሎኒ።

ካብ ዝቘምክዎ ምንቕ ከይበልኩ ነቲ ዓላሚ ብጎቦ ዓይነይ ይከታተሎ ነበርኩ። ንዓራተይ ብስልኩይ ኣጠማምታ ንዅሉ ዅርናዓታ ብኣዒንቱ ኮለላ። ድንን ኢሉ ኣንሶላ ብግቡእ ተነጺፉ ኸም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኮቦርታን መተርኣስን ብዝግባእ ተቐሚጦም ከም ዘለዉ ድማ ኣረጋገጸ። ብድሕር’ዚ ናብ ጁባኡ ሃሰስ ድሕሪ ምባል ሓንቲ ቕጥቃጥ ኣውጺኡ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ፈተሻ ከም ዝኣኸለ ምእንቲ ኽርደኣኒ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ሰማይ እናደርበየ ፍር ኣበላ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ነታ ቕጥቃጥ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምስንዳው ኣብ ርእሲ ዓራተይ ከም ትዓልብ ገበረ። እታ ቕጥቃጥ ኣብ ዝባን ዓራተይ ድሕሪ ምዕላባ፡ ተላጊዓ ገለ ሰንቲ ሜተራት ኣብ ኣየር ኣንሳፈፈት። እቲ ዘንሳፈፈትሉ ልዕለት ዓላሚ ብኢዱ ደጊሙ ንኽጭብጣ እኹል ነበረ።

ዓላሚ ብቕጽበት ገጹ ናባይ ብምምላስ፡ ናብ ኣዒንተይ ኣተኲሩ ድሕሪ ምጥማቱ ጥቕስ በለ። ዝኾነ ቓል ኣየምሎቐን። ዓራተይ ብዝግባእ ብምንጻፈይ ኣድናቖት ክወሃበኒ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ግቡአይ ጥራይ እየ ፈጺመ። እዚ እቲ ቐዳማይ ዕማም ናይታ መዓልቲ እዩ፣ ብዝግባእ ምፍጻሙ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ። መርኣያ ስነ-ስርዓተይ ነበረ። ኣብ ዝርዝራት ንዘለኒ ኣተኵሮ ዘርእን፡ መዓልቲ ምስ ተዛዘመት ድማ እንተ ወሓደ ንሓደ ነገር ብዝግባእ ከም ዝዓመምኩ፡ ዓቐን’ቲ ዕማም ብዘየገድስ ድማ ክዀርዓሉ ዝግባእ ስራሕ ከም ዝፈጸምኩ ዝምስክርን ነበረ።

ንመጽሓፍ ‘ዓራትካ ኣንጽፍ’ ኣብዚ ዓድጉዋ።

ብኣሕተምቲ ደርማስ ዝተሓትሙ ኻልኦት መጻሕፍቲ ኣብዚ ዳህስሱ።