ተፈታውን ተሰማዕን ንምዃን ካብቲ ዝተሓትመትሉ 1936 ጀሚራ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ሕትመት ወጺኣ ኣይትፈልጥን እያ። ኣብ 2011፡ ብመጽሔት Time፡ መበል 11 ጸላዊት መጽሓፍ ናይ ዓለምና ተባሂላ ተጸዊዓ። ናይ ኣመሪካ ላይብረሪ ኦፍ ኮንግረስ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ 7ይቲ ጸላዊት መጽሓፍ ክብል ሰምዩዋ።
ቅድሚ ንኻልኦት ምንቃፍካ ብዛዕባ ጌጋታትካ ተዛረብ
ሓደ እዋን፡ ጓል ሓወይ ዮሴፊን ካርንጌ ናብ ኒው ዮርክ ከም ጸሓፊተይ ክትሰርሕ መጽአት። ጓል 19 ዓመት እያ ነይራ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ኻብ ትውድእ ሰለስተ ዓመታት ገይራ ነይራ፣ ናይ ንግዲ ተመክሮኣ ድማ ኻብ ዜሮ ብቑሩብ ይሓይሽ ነይሩ። ምስ ግዜ ሓንቲ ኻብ’ተን ዝበለጻ ጸሓፍተይ ክትከውን ክኢላ እያ፣ ኣብቲ መጀመርታ ግን - ኤእ፡ ብዙሕ ንፍዕቲ ኣይነበረትን። ሓንቲ መዓልቲ ኽነቕፋ ምስ ሓሰብኩ፡ ንነብሰይ፥ “እስከ ሓንሳእ ደይል። ዕድሜኻ ክንዲ ዕጽፊ ናይ ዮሴፊን’ዩ። ካብ ናታ ዓሰርተ ሽሕ ዕጽፊ ዝኸውን ተመክሮ’ሎካ። ከመይ ጌርካ ኸም ናትካ ኣጠማምታ፡ ምምዝዛንን ተበግሶን ክህሉዋ ትጽበ? ንስኻ ወዲ 19 ከለኻ ከመይ ዓይነት ሰራሕተኛ ኔርካ? እቲ ዝፈጸምካዮ ጌጋታትን ውርደታትን እስከ ዘክሮ።” በልኩዋ።
ነቲ ጉዳይ ብቕንዕና ምስ ሓሰብኩሉ፡ ናይ ዮሴፊን ብቕዓት ካብቲ ኣነ ወዲ 19 ዓመት ከለኹ ዝነበረኒ ከም ዝበልጽ ደምደምኩ።
ስለዚ ብድሕሪኡ ንዮሴፊን ብዛዕባ ዝፈጸመቶ ጌጋ ኽዛረባ ኸለኹ፥ “ጌጋ ፈጺምኪ ዮሴፊን። ካብቲ ኣነ ዝፈጸምኩዎ ጌጋታት ዝኸፍእ’ኳ ኣይኮነን። ናይ ምምዝዛን ክእለት ግን ምስ ግዜ’ዩ ዝጥረ። ንስኺ፡ ካብቲ ኣነ ወዲ 19 ኸለኹ ዝነበርኩዎ ትነፍዒ። ኣነ ድማ ንባዕለይ ብዙሕ ዓሻ ነገራት ስለ ዝፈጸምኩ፡ ንኣኺ ይኹን ንኻልእ ክነቅፍ ብዙሕ መሰል የብለይን። ግን ከምዚ እንተ ትገብሪዶ ኣይምሓሸን ነይሩ?” ብምባል ዘረባይ እጅምር ነይረ።
ነቓፊኻ ጌጋታቱ ብምዝርዛር ነቐፌታኡ እንተ ጀሚሩ፡ ክትሰምዖ ደሓን እዩ።
ሓደ እዋን፡ ኣብ 1909፡ ልዑል በርንሃርድ ፎን ብዩሎው ናይ ጀርመን ነዛ ሜላ’ዚኣ ተጠቒሙላ ነይሩ። ፎን ብዩሎው ኣብቲ ግዜ’ቲ ቻንስለር ጀርመን እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ጀርመን ሃጸይ ዝነበረ ድማ በቲ ኣደብ ዘይብሉ ጠባዩን ንቕጽናኡን ዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ሃጸይ ጀርመን ዳግማዊ ቪልሀልም እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ቪልሀልም ካብ ሃጸይ ዘይትጽበዮ ዘረባ ኽዛረብ ጀመረ። እቲ ዝተዛረቦ ዘስደምም ነገራት ድማ ንምልእቲ ኤውሮጳ ኣነቓነቓ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ ኣንነት ዝመልኦ ናይ ዓያሹ ዘረባ ኽዛረብ ጀመረ። ሓደ እዋን ናብ እንግሊዝ መጺኡ ዝተዛረቦ ኣብ ደይሊ ቴለግራፍ ክሕተም ፈቐደ። ኣብ ዘረባኡ ንእንግሊዛውያን ዝፈቱ እንኮ ጀርመናዊ ንሱ ኸይኮነ ኸም ዘይተርፍ ገለጸ። ንስግኣት ጃፓን ደው ዘብል ዓቢ ሓይሊ ባሕሪ ይሃንጽ ከም ዘሎ፣ ንእንግሊዝ ብሩስያን ፈረንሳን ከይትወሓጥ ከድሕና ዝኽእል ንሱ ጥራይ ምዃኑ፣ ንእንግሊዛዊ ሎርድ ሮበርትስ ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ውግኡ ኽዕወት ዝሓገዞ ንሱ ምዃኑ ወዘተ ተጃሃረ።
ኣብ ግዜ ሰላም፡ ካብ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ንጉስ ወይ ሃጸይ ከምኡ ዓይነት ዘስደምም ዘረባ ኻብ ዝስማዕ ነዊሕ ኮይኑ ነበረ። መላእ ኤውሮጳ ኸም ሰፈር ዕኰት ነደረት፥ እንግሊዝ ተቘጥዐት፣ ጀርመናውያን ፖሊቲከኛታት ፈዚዞም ተረፉ። ኣብዚ ኹሉ ሽግር ምስ ኣተዉ ድማ ቪልሀልም ስለ ዝፈርሐ ንልዑል ፎን ብዩሎው ንወንጀሉ ኽስከመሉ ሓተቶ። ምሉእ ሓላፍነት ናይቲ ዘረባ ፎን ብዩሎው ክወስደሉ ደለየ።
“ግን ክቡርነቱ፡ ከምዚ ኢሉ የማኽሮ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ ዝኾነ ጀርመናዊ ወይ እንግሊዛዊ የሎን።”
ፎን ብዩሎው፡ እተን ቃላት ካብ ኣፉ ምስ ወጽኣ እዩ ዓቢ ጌጋ ኸም ዝፈጸመ ተረዲኡዎ። እቲ ሃጸይ ክትኰስ ደለየ።
“ንኣይ ከም ኣድጊ ኢኻ ትርእየኒ ሓቀይ?! ንስኻ ክትገብሮ ዘይትኽእል ጌጋታት ዝፍጽም ኣድጊ!!” ጨደረ።
ፎን ብዩሎው ቅድሚ ምንቃፉ ክንእድ ከም ዝነበሮ ተገንዘበ። እታ ዕድል ስለ ዝሓለፈቶ ግን ካልእ ክገብር ወሰነ - ድሕሪ ምንቃፍ ምንኣድ። ሰርሓትሉ ድማ።
“ከምኡ ኽብል’ሞ ዘይሕሰብ’ዩ፡” በለ ብኽብረት። “ክቡርነቱ፡ ብኹሉ መዳያት ትበልጸኒ ኢኻ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ነገራት። ብፍላይ ብዛዕባ ስነፍልጠት ክትዛረብ ኸለኻ ብተመስጦ’የ ዝከታተለካ። ኣነ ብዛዕባ ስነፍልጠት ቅንጣብ ፍልጠት የብለይን። ምናልባት መተካእታ ዝኾነኒ ግን ብዛዕባ ፖሊቲካን ዲፕሎማስን ገለ ኣፍልጦ’ሎኒ።” በሎ።
እቲ ሃጸይ ገጹ ብፍሽኽታ ተዀልዐ። ፎን ብዩሎው ንነብሱ ኣትሒቱ፡ ንኡ ኣበሪኹዎ። ብድሕሪኡ እቲ ሃጸይ ይቕረ ኽብለሉ ቐሊል እዩ፥ “ኣነን ንስኻን ከም ንመላላእ’ኮ ኹሉ ግዜ’የ ዝነግረካ! ክልቴና ብሓደ ኽንከውን ኣለና፣ ክንከውን ኢና ድማ!” ኢሉ ጨደረ።
ንፎን ብዩሎው ደጋጊሙ ኢዱ ጨበጦ። ስምዒቱ ስለ ዘይዘሓለሉ’ውን፥ “ብዛዕባ ልዑል ፎን ብዩሎው ሕማቕ ዝተዛረበ ሰብ ኣፍንጫኡ ኽሰብሮ’የ፡” ብምባል ከፈራርሕ ወዓለ።
ፎን ብዩሎው፡ ክኢላ ዲፕሎማሰኛ ኽነሱ ጌጋ ፈጺሙ ነይሩ፣ ብዛዕባ ጌጋታቱን ናይ ቪልሀልም ልዕልናን ብምዝራብ ክጅምር ነይሩዎ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ብልባዊ ናእዳ ነብሱ ኣድሒኑ።
ንነብስኻ ኣትሒትካ ንኻልእ ብምንኣድ ንሓደ ተጀሃሪ ሃጸይ ከተህድእ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትሕትናን ናእዳን ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ዘምጽኣልካ ጽልዋ ገምቶ። እዛ ሜላ’ዚኣ ብልክዕ መገዲ እንተ ተጠቒምካላ፡ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ዝምድና ተኣምራት ክሰርሓ እየን።
ጌጋታትካ ምእማን፡ ዋላ ኣይተኣረም፡ ንኻልእ ሰብ ባህርያቱ ኣብ ምልዋጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።