እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ መንጐ ታሪኽን ስነ-ህይወትን ዘሎ ዝምድና እንታይ እዩ፧ ኣብ መንጐ ሆሞ ሳፕየንስን ካልኦት እንስሳታትን ዘሎ ቀንዲ ፍልልይ እንታይ እዩ፧ ኣብ ታሪኽ፡ ፍትሒ ኣሎ ድዩ፧ ታሪኽ መኣዝን ኣሎዎ ድዩ፧ ሰባት ምስ ግዜ ሕጉሳት ይኾኑ ኣለዉዶ፧’ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሕቶታት ክትምልስን ንሰፊሕ ታሪኽ ደቅሰብ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጠርኒፋ ከተዘንቱን ትፍትን ዓባይ መጽሓፍ እያ።

ፍልቀት ንሰባት ኲዕሶ እግሪ ናይ ምጽዋት ክእለት ኣይሃቦምን። ሓቂ እዩ፣ ንምቕላዕ ዝኸውን ኣእጋር ሂቡና፡ ንምጒናጽ ዝኸውን ዂርናዕ ኢድ ሂቡና፡ ንምጽራፍ ዝኸውን ኣፍ ሂቡና። እዚ ኹሉ ሒዝና ድማ ንበይንና ፍጹም ቅላዕ ጥራይ ክንቀልዕ ምወዓልና። ምስ ዘይንፈልጦም ሰባት ክንጻወት ግን ምስ’ቶም ዓሰርተ ደቂ ጋንታና ክንሰማማዕ ጥራይ ዘይኮነ እቶም ኣንጻርና ዘለዉ 11 ተጻወትቲ’ውን በቲ ንሕና ንኽተሎ ሕግታት ከም ዝጻወቱ ኽንርዳእ ኣሎና። ምስ ዘይፈልጡዎም እንስሳታት ዝኾነ ተግባር ዘካይዱ ካልኦት እንስስታት ካብ ባህረቶም ተበጊሶም እዮም ዘካይዱዎ፣ ንኣብነት፤ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኰራኲር ኣብ ሰረቶም ዝተወቀጠ ናይ ምጽዋት ባህሪ ኣሎዎም። ደቅሰብ ግን ንዂዕሶ እግሪ ዝኸውን ሰረት ዘይብሎም ክነሶም ምስ ዘይፈልጡዎም ሰባት ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም፣ ምኽንያቱ፡ ኩሎም ብዛዕባ ዂዕሶ እግሪ ዝተመሃሩዎ ሓሳባት ሓደ ዓይነት እዩ። እዞም ሓሳባት’ዚኦም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስእለ-ኣእምሮ እዮም ዝርከቡ፣ ኩሉ ሰብ እንተ ተኻፊሉዎም ግን ኩሉ ሰብ ክጻወት ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ብተመሳሳሊ ግን ከኣ ብዝዓበየ መገዲ ኣብ ንግስነታት፡ ኣብያተ ክርስትያንን ናይ ንግዲ መርበባትን ንርእዮ ኢና። ሓንቲ ኣገዳሲት ፍልልይ ግን ኣላ። ናይ ኲዕሶ እግሪ ሕግታት ብተዛማዲ ቐለልትን ሓጸርትን እዮም፣ ምስቲ ሓደ ኣባል ጒጅለ ማእረርቲ ወይ ነባሪ ሓንቲ ንእሽቶ ቚሸት ዝጥቀመሉ ናይ ምትሕብባር ክእለታት ዝዳረግ እዩ። ነፍስወከፍ ተጻዋታይ ነቶም ሕግታት ኣብ ሓንጐሉ ብቐሊሉ ድሕሪ ምስፋሩ ንመዛሙር፡ ስእልታትን ናይ ዕድጊ ዝርዝራትን ዝኸውን ቦታ ኣይስእንን እዩ። 22 ሰባት ጥራይ ዘይኮኑስ ኣሽሓት ወይ ሚልየናት ሰባት ዝሳተፉሉ ዓበይቲ ናይ ምትሕብባር ስርዓታት ግን ሓደ ሓንጐል ሰብ ጥራይ ክሕዞን ክመሓድሮን ዘይክእል ዓቢ መጠን ሓበሬታ ናይ ምኽዛንን ምምሕዳርን ክእለት ይሓትት እዩ።

ኣብ ገለ ኻልኦት ጅራት (ንኣ.፤ ጻጸን ንህብን) ዝርከቡ ዓበይቲ ሕብረተእንስሳታት ርጉኣትን ሓያላትን ዝኾኑሉ ምኽንያት ዝበዝሐ ኻብቲ ናብራኦም ከካይዱ ዘድልዮም ሓበሬታ ኣብ ሰረቶም ተወቂጡ ስለ ዘሎ እዩ። ንኣብነት፤ ሓንቲ ኣንስተይቲ ላርቫ ንህቢ በቲ ትምገቦ ዓይነት መግቢ ተጸልያ  ምስ ዓበየት ንግስቲ ወይ’ውን ሰራሕተኛ ትኸውን። ነቲ ኣብ ህይወታ ትለብሶ ግደ ዝኸውን ኣገዳሲ ባህርያት ዝህባ ዲኤንአይኣ እዩ። ቆፎ ንህቢ ኸም ዓጻዶ፡ ሓከምትን ኣጽረይትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ማሕበራዊ ቕርጺ እዩ። ዛጊት ግን ተመራመርቲ ኸም ጠበቓታት ዝዓዩ ኣናህብ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ዘለዉ፣ ምኽንያቱ፡ ቅዋም ቈፎኦም ከይርሳዕ ወይ ከይጠሓስ ኣይሰግኡን እዮም። እታ ንግስቲ ነቶም ናይ ጽርየት ኣናህብ መግቦም ኣይተኸልኦምን እያ፣ ንሳቶም ድማ ደሞዝ ዘይተወሰኽና ኢሎም ኣድማ ኣይገብሩን እዮም።

431684475_699510482398187_2366862593884887362_n.jpg

ንሰባት ግን ከምዚ ዓይነት ነገራት መናብርትና እዩ። ማሕበራዊ ስርዓታት ሳፕየንስ ሓሳባዊ ስለ ዝኾነ ሰባት ንኡ ንምምሕዳር ዘድሊ ኣገዳሲ ሓበሬታ፡ ብምትሕልላፍ ቅዳሓት ዲኤንአይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ጥራይ ክዕቀብ ኣይክእልን እዩ። ሕግታት፡ ወግዕታት፡ መስርሓትን ኣገባባትን ንምኽባር ንቑሕ ጻዕሪ ይሓትት እዩ፣ እንተ ዘይኮይኑ ድማ እቲ ማሕበራዊ ስርዓት ይዓኑ። ንኣብነት፤ ንጉስ ሃሙራቢ ሰባት ናብ ደቂ ዓበይቲ፡ ሓፋሽን ገላዩን ክመቓቐሉ ኣዊጁ። ዘይከም ናይ ኣናህብ ደርባዊ ስርዓት፡ እዚ ምምቕቓል’ዚ ባህርያዊ ምምቕቓል ኣይኮነን – ኣብ ሰረትና ኸምኡ ዝብል የሎን። ባቢሎናውያን ነዚ ‘ሓቂ’ እዚ ኣብ ርእሶም ክሕዙዎ እንተ ዘይክእሉ ሕብረተሰቦም ሃደሽደሽ ምበለ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ሃሙራቢ ዲኤንአይኡ ናብ ውሉዱ ኸሕልፍ ከሎ ነቲ ‘ሓንቲ ተራ ሰበይቲ ዝቐተለ ወዲ ዓበይቲ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ክኸፍል ኣሎዎ’ ዝብል ሕጉ ኣየሕለፈሉን። ሃሙራቢ ንደቁ ብዛዕባ ሕግታት ግዝኣቱ ባዕሉ እዩ ምሂሩዎም፣ ደቁ ድማ ንደቆም ምሂሮሞም።

ግዝኣታት ዓቢ መጠን ሓበሬታ እየን ዘመንጭዋ። ክንዮ ሕግታት’ውን ግዝኣታት ንምልውዋጥን ክፍሊት ግብርን፡ ወተሃደራዊ ቐረባትን መራኽብ ንግድን፡ ዓውደ-ኣዋርሓት ፈስቲቫላትን ዝኽርታትን ዝምልከት ሓበሬታ ኽስንዳ ኣሎወን። ሰባት፡ ንሚልየናት ዓመታት ሓበሬታ ዝኸዘኑሉ እንኮ ቦታ፡ ሓንጐሎም እዩ ነይሩ። ሓንጐል ደቅስብ ግን ናይ ምሉእ ግዝኣት ሓበሬታ ኽዕቅብ ኣይክእልን እዩ። እቶም ምኽንያታት ከኣ ሰለስተ እዮም።

ሓደ፤ ዓቕሙ ድሩት እዩ። ሓቂ እዩ፡ ገለ ሰባት ዘገርም ሓይሊ ዝኽሪ ኣሎዎም፣ ኣብ ጥንታዊ እዋናት ድማ ቕርጸ-መሬት ኣውራጃታትን ሕግታት መንግስትን ክሽምድዱ ዝኽእሉ ናይ ዝኽሪ ኽኢላታት ነይሮም። እቶም ክኢላታት ንባዕሎም ክሓልፉዎ ዘይክእሉ ደረት ግን ኣሎ። ንምሉእ ስርዓተ-ሕጊ ናይ ሓንቲ ኸተማ ኽሽምድድ ዝኽእል ጠበቓ ይህሉ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ናይታ ኸተማ ዘጋጠመ ኹሉ ሕጋዊ መስርሓት ምስ ዝርዝራቱ ኽሽምድዶ ግን ኣይክእልን እዩ።

ካልኣይ፤ ሰባት መወትቲ እዮም፣ ሓንጐሎም ድማ ምስኦም ይመውት እዩ። ኣብ ሓንጐል ዝቕመጥ ዝኾነ ሓበሬታ ሓደ ዘመን ከይጸንሐ እዩ ዝድምሰስ። ካብ ሓደ ሓንጐል ናብ ካልእ ዝኽርታት ከተተሓላልፍ ይከኣል እዩ፣ ድሕሪ ሒደት ምትሕልላፍ ግን እቲ ሓበሬታ ይዝረግ ወይ’ውን ይጠፍእ እዩ።

ሳልሳይን ልዕሊ ኹሉ ዘገድስን፤ ሓንጐል ደቅሰብ ኣብ መስርሕ ፍልቀት ዘጥረዮ ሓበሬታ ናይ ምኽዛንን ምምሕዳርን ክእለት ኣብ ፍሉያት ዓይነት ሓበሬታ ዝተደረተ እዩ። ጥንታውያን ሃደንቲ-ቛረፍቲ ኽሰሩ እንተ ኾይኖም ቅርጽታትን ባህርያትን ኣሽሓት ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ክዝክሩ ነይሩዎም። ዝተሸማረረ ብጫ ቓንጥሻ መርዛም ምዃኑ፡ ካልእ ንኣ ትመስል ቃንጥሻ ግን ፈውሲ ቕርጸት ክትከውን ከም ትኽእል ክመሃሩ ነይሩዎም። ሃደንቲ-ቛረፍቲ ናይ ካልኦት ኣባላት ጒጅለኦም ሓሳባትን ዝምድናታትን ክዝክሩ ነይሩዎም። ሉሲ፡ ጆን ዝብሃል ወዲ ጒጅለኣ የሸግራ እንተሎ፡ ጆን ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሜሪ ተባኢሱ ኸም ዝነበረ ትዝክር’ሞ ምስ ሜሪ ኽትሻረኽ ትውጥን። ከም ውጽኢቱ፡ ፍልቀት ንሓንጐል ደቅሰብ ዓርሞሽሽ መጠን ስነ-ተኽላዊ፡ ስነ-እንስሳዊ፡ ቅርጸ-መሬታውን ማሕበራውን ሓበሬታ ንክኽዝን እዩ ኣለማሚዱዎ።

ሳላ ሰውራ ሕርሻ ዝተራቐቑ ሕብረተሰባት ክፍጠሩ ምስ ጀመሩ ግን ሓድሽ ዓይነት ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ኽሕዝ ጀመረ – ኣሃዛት። ማእረርቲ ዓቢ መጠን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ኽሕዙ ዘገድዶም ነገር ኣይነበረን። ንኣብነት፤ ኣብ ነፍስወከፍ ገረብ ናይ ሓንቲ ጫካ ዘሎ ቚጽሪ ፍረታት ምዝካር ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ስለዚ ሓንጐል ደቅሰብ ኣሃዛት ናይ ምኽዛንን ምምሕዳርን ክእለት ኣየማዕበለን። ዓበይቲ ንግስነታት ንምምሕዳር ግን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኾይኑ ተረኺቡ። ሕግታት ኣውጺእካ ብዛዕባ ዝሕሉውኻ ኣማልኽቲ ጥራይ ምዝራብ እኹል ኣይነበረን። ግብሪ ምእካብ’ውን ነይሩ። ንኣሽሓት ሰባት ግብሪ ኸተኽፍል እንተ ዄንካ ድማ ንናይ ሰባት እቶትን ዋንነትን፡ ዝፈጸሙዎ ኽፍሊታት፡ ዘሎዎም ዕዳን መቕጻዕትን፡ ክግበረሎም ዝኽእል ምጒዳል ዋጋን ምሕረትን ዝምልከት ሓበሬታ ኽእከብ ነይሩዎ። እዚ ሚልየናት ጭርምራም ሓበሬታ’ዚ ምስ ተኣከበ ድማ ይኽዘንን ይሰላሰልን። እቲ መንግስቲ፡ ከምኡ ኸይገበረ እንታይ ዓይነት ጸጋታት ይውንን፡ ኣየኖት ጸጋታትከ ኽጥቀመሉ ኣሎዎ ኽፈልጥ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ኣሃዛት’ዚ ናይ ምሽምዳድ፡ ምዝካርን ምምሕዳርን ኣድላይነት ምስ ተፈጥረ ናይ ዝበዝሑ ሰባት ሓንጐል ደንዚዙ ደው በለ።

እዚ ኣእምሮኣዊ ድሩትነት’ዚ ንዓቐንን ረቂቕነትን ናይ ጥርኑፋት ሰባት ደረቶ። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዝርከብ ብዝሒ ህዝብን ንብረትን ሓደ ኣገዳሲ ደረት ምስ ሰገረ ዓቢ መጠን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ምኽዛንን ምምሕዳርን ግድነታዊ ኾነ። እዚ ዕማም’ዚ ልዕሊ ዓቕሚ ሓንጐል ደቅሰብ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ስርዓት ዓነወ። ከም ውጽኢቱ ድሕሪ ሰውራ ሕርሻ ኣብ ዝሰዓበ ኣሽሓት ዓመታት ናይ ሰባት ማሕበራዊ መርበባት ብተዛማዲ ንእሽቶን ዘይማዕበለን ኮይኑ ቐጸለ።

ነዚ ሽግር’ዚ ዝሰዓሩዎ ቐዳሞት ህዝቢ ኣብ ደቡባዊ መሶጶጣምያ ዝነብሩ ዝነበሩ ሱመራውያን እዮም ነይሮም። ኣብቲ ቦታ’ቲ፡ እቲ ሃብታም ጨቃው ጐላጒሎምን መራር ጸሓይን ተወሃሂዶም ህጡር ምህርትን ብልጹጋት ከተማታትን ኣፍረዩ። ቊጽሪ ነበርቲ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ ጉዳያቶም ንምምሕዳር ዘድልዮም ዝነበረ መጠን ሓበሬታ ዛየደ። ካብ 3500 ቅክ ክሳዕ 3000 ቅክ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ገለ ዘይፍለጡ ሱመራውያን ብልሂታት ዓቢ መጠን ኣሃዛዊ ሓበሬታ ኻብ ሓንጐሎም ወጻኢ ክኽዝኑን ከመሓድሩን ዘኽእሎም ሜላ መሃዙ። ሱመራውያን ንማሕበራዊ ስርዓቶም ካብ ድሩትነት ሓንጐል ደቅሰብ ኣላቒቖም ናብ ምፍጣር ከተማታት፡ ንግስነታትን ግዝኣታትን ዝመርሕ ባብ ኣርሓዉ። እቲ ብሱመራውያን ዝተማህዘ ሜላ ምምሕዳር ሓበሬታ፡ ‘ጽሕፈት’ ይብሃል።

ንመጽሓፍ ‘ሳፕየንስ’ ኣብዚ ዓድጉዋ።

ብኣሕተምቲ ደርማስ ዝተሓትሙ ኻልኦት መጻሕፍቲ ኣብዚ ዳህስሱ።