ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ደራሲ ኣብ ኣፈ-ታሪኻት ቶልቴክን ስነ-ፍልጠትን ዝተመርኰሰ፡ ናብ ነባሪ ውልቃዊ ለውጢ ዘብጽሑ ተግባራዊ ስጒምትታት ዘጠቓለለ ሓድሽ ዓይነት ፍልስፍና ኣዳልዩ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኻብቲ ዝተሓትመትሉ ዓመተ 1997 ጀሚራ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 12 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ ትርከብ።

ውልቃዊ ናጽነትካ እትረኽበሉ እቲ ናይ መወዳእታ መገዲ፡ ንባዕሉ ንሞት ከም መምህርካ ምውሳድን ገዛእ-ርእስኻ ንሞት ምድላውን እዩ። መልኣከ-ሞት ክምህረካ ዝኽእል፡ ብኸመይ ብትኽክል ክትነብር ከም ዘሎካ እዩ። ኣብ ዝኾነ ህሞት ክትመውት ከም እትኽእልን፡ እትነብሮ ኣብ ሕጂ ጥራይ ከም ዝኾነን ክትፈልጥ ኣሎካ። እቲ ሓቂ፡ ጽባሕ ከም እትመውት ዘይምፍላጥካ እዩ። መን ይፈልጥ፧ ኮይኑ ግና ብርክት ዝበለ ዓመታት ከም ዘሎካ ትሓስብ። ግን ብሓቂ ኣሎካ ድዩ፧

ናብ ሕክምና እንተ ትኸይድ'ሞ እቲ ሓኪም ናይ ሓደ ሰሙን ዕድመ ጥራይ ከም ዘሎካ እንተ ዝነግረካ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ክልተ ኣማራጺታት ኣሎካ፤ እቲ ሓደ፡ ክትመውት ምዃንካ ብምሕሳብ ንስቓይ ምቅላዕ፡ “ክመውት እየ፣ ሕዘኑለይ” እናበልካ ንዅሉ ሰብ ምዝራብን ብምትሕቝቛፍ ምስንባትን። እቲ ካልእ ኣማራጺ ድማ ዘሐጕሱኻ ነገራት ጥራይ ብምግባር ነፍስወከፍ ህሞት ብሓጐስ ምሕላፍ። ናይ ሓደ ሰሙን ዕድመ ጥራይ እንተሎካ ንህይወት ኣስተማቕራ፤ ንበራ። “ድሕሪ ሕጂ ንኻልኦት ከሐጕስ ክብል ንገዛእ ህይወተይ ኣየዳኽምን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ካልኦት ብዛዕባይ እንታይ ይሓስቡ ኢለ ኣይሽቝረርን እየ፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክመውት እየ'ሞ ድላዮም እንተ ሓሰቡ እንታይ ኣጨነቐኒ፧ ስለዚ ንነብሰይ ክመስል እየ፤” ክትብል ትኽእል ኢኻ።

መልኣከ-ሞት፡ ነፍስወከፍ መዓልቲ ናይ ህይወትካ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ከም ዝኾነትን ጽባሕ ዝብሃል መዓልቲ ከም ዘየሎን ይምህረካ። ነፍስወከፍ መዓልቲ “ንቑሕ ኣለኹ፣ ጩራታት ብርሃን ጸሓይ ድማ እርኢ ኣለኹ፣ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ኣለኹ'ሞ ምስጋናን ኣኽብሮትን ንጸሓይ፣ ንዅሉ ሰብን ንዅሉ ነገርን ክህብ እየ፤ ገዛእ-ርእሰይ ንምዃን ሓደ ተወሳኺ መዓልቲ ተዋሂቡኒ ኣሎ” ብምባል ጀምር።

እዚ እዩ ናይ ህይወት ጠመተይ። መልኣከ-ሞት ዝመሃረኒ፡ ምሉእ ብምሉእ ግልጺ ክኸውንን ከፍርሓኒ ዝግባእ ነገር ዘይምህላዉ ክፈልጥን እዩ። ስለዚ ድማ ነቶም ዝፈትዎም ሰባት ብፍቕሪ እንከባኸቦም። ምኽንያቱ፡ እዛ መዓልቲ'ዚኣ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረካ ክዛረበላ ዝኽእል ናይ መወዳእታ መዓልቲ ክትከውን ትኽእል እያ። ዳግማይ ክርእየካ ወይ'ውን ዘይክርእየካ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ስለዚ ክጸልኣካ ኣይደልን እየ።

ምናልባት እንተ ዝበኣሰካ'ሞ ኣባኻ ዘሎኒ ብምሉኡ ስምዒት ጽልኢ ኣዝኒበልካ ንጽባሒቱ እንተ ሞትካኸ፧ ኣይረድ! ዳኛ ንዅሉ ሕማቐይ ክፈርድ ማለት እዩ። ብዅሉ'ቲ ዝበልኩኻ ነገር ድማ ናይ ገበን ስምዒት ክስመዓኒ እዩ። ዋላ'ውን ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅረካ ስለ ዘይነገርኩኻ ከጣዕሰኒ እዩ። ሓጐስ ዝፈጥረለይ ፍቕሪ፣ እቲ ምሳኻ ክካፈሎ ዝኸኣልኩ ፍቕሪ ጥራይ እዩ። ከም ዘፍቅረካ ንምንታይ እኽሕድ፧ ንኣይ ተመሊስካ ምፍቃርካ ክሳብ ክንድኡ ኣድላዪ ኣይኮነን። ኣነ ይኹን ንስኻ ጽባሕ ክንመውት ንኽእል ኢና። ሕጂ ንኣይ ዘሐጕሰኒ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረካ ክትፈልጥ ምግባር እዩ።

368754770_589254423423794_4083003391134123831_n.jpg

ህይወትካ ብኸምዚ መልክዕ ክትመርሓ ትኽእል። ከምዚ ብምግባር ገዛእ-ርእስኻ ንጅመራ ሞት ተዳልዋ። ንጅመራ ሞትካ ስዒቡ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዝኸረመ ነባር ሕልሚ ንዘለዓለም  ክመውት እዩ። እወ! እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዝነበረ ዝኽርታት ናይ ጽግዕተኛ ባልዓት (ዳንነት፡ ተዀናንነትን ዝጸንሐ ኣተሓሳስባኻን) ብሞት ከኽትም እዩ።

ብጅመራ ሞት ዝመውት እቲ ጽግዕተኛ ባልዕ እዩ። ናብ ልምምድ ጅመራ ሞት ንምኻድ እቲ መገዲ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ደያኑን ተኾነንትን ብዅሉ ዓቕሞም ክቃለሱኻ እዮም። ክሞቱ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ ከም ዝሞትና ዝስመዓና ንሕና ስለ ዝኾንና ነቲ ሞት'ቲ ኣዚና ንፈርሖ። ኣብ ሕልሚ ፕላነትና ክንከውን ከሎና ልክዕ ከም ዝሞትና እዩ።

ኵሉ'ቲ ንምልምማድ ሞት ብዓወት ዝዛዘመ፡ ዘደንቕ ናይ ትንሳኤ ሽልማት ይጐናጸፍ። ትንሳኤ ምርካብ ማለት ካብ ሞት ምትንሳእ፣ ምንባር ወይ'ውን ዳግማይ ገዛእ-ርእስኻ ምዃን ማለት እዩ። ትንሳኤ ልክዕ ከም ቈልዓ - ዘይተገርሐ ናጻ ይገብረካ፤ ግዳ ፍልልይ ኣለዎ። እቲ ፍልልይ፡ ናጽነትና ብየዋህነት ዘይኮነስ ብፍልጠት ዝተጐናጸፍናዮ ምዃኑ እዩ። ነቲ እተሰበለካ ልምዲ ብምስባር ወይ'ውን ንዝተገራሕካሉ ሜላ ብምጥሓስ ዳግማይ ናጻ ትኸውን። ንኣእምሮኻ ድማ ፈውሲ ትምጥው። ነቲ ጽግዕተኛ ባልዕ ቀቲልካ ብጥዑይ ኣእምሮን ብትኽክለኛ ምኽንያታውነትን ህይወትካ ሕጂ'ውን ከም ዝቕጽል ብምእማን ንመልኣከ-ሞት ኢድካ ሃብ። ሽዑ፡ ኣእምሮኻ ክትጥቀምን ናይ ገዛእ-ርእስኻ ህይወት ክትመርሕን ናጻ ትኸውን።

ብመሰረት ኣምራት ቶልቴካውያን፡ መልኣከ-ሞት ዝምህረና እዚ እዩ። መልኣከ-ሞት ናባኻ ብምምጻእ፡ “ርኢኻ፡ ኣብዛ ምድሪ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ነገር ናተይ'ምበር ናትካ ኣይኮነን። ገዛኻ፡ ማኪናኻ፡ ስራሕካ፡ ብዓልቲ-ቤትካ፡ ደቅኻ፡ ገንዘብካን ኵሎም ነገራትን ናተይ ስለ ዝኾኑ ኣብ ዝደለኽዎ ግዜ ክወስዶም እኽእል እየ። ክሳዕ ሽዑ ግና ተጠቐመሎም” ይብለካ።

ንመልኣከ-ሞት እንተ ተምበርኪኽካ፡ ንሓዋሩን ኵሉ ግዜን ሕጕስ ክትከውን ኢኻ። ምኽንያቱ፡ መልኣከ-ሞት፡ ብምሉእ ዓቕምኻ ህይወት ክትቅጽል ምእንቲ  ክትክእል፡ ነቲ ናይ ትማሊ በሰላ ኣውጺኡ ይኣልየልካ። ንነፍስወከፍ ዝሓለፈት ትማሊ ነቲ ዝሞተ ክፋል ኣውጺኡ ምድርባይ ይቕጽል። ንስኻ ድማ ነዚ ናይ ሕጂ ናብራኻ ምንባር ትቕጽል።

ጽግዕተኛታት ንዅሉ'ቲ ዝሓለፈ ኣብ ዝባንካ ተሰኪምካዮ ዘገም ከም ትብል ስለ ዝገብሩኻ ናብራ ይኸብደካ። ኣብ 'ዓንኬል ትማሊ' ክትነብር እንተ ሃቂንካ ብኸመይ ንሎሚ ከተስተማቕራ ትኽእል፧ ብዛዕባ ጽባሕ ኣብ እትሓስበሉ ግዜኸ ስለምንታይ 'ትማሊ' ጾር ይኾነካ፧ መኣስ ኢኻ ንሎሚ ትነብራ፧ እዚ ክትገብር እዩ መልኣከ-ሞት ዝምህረካ።

ንመጽሓፍ ‘ኣርባዕተ ስምምዓት’ ኣብዚ ዓድጉዋ።

ብኣሕተምቲ ደርማስ ዝተሓትሙ ኻልኦት መጻሕፍቲ ኣብዚ ዳህስሱ።