እዚ መጽሓፍ’ዚ ገለ ኻብቲ ኽሳዕ ሕጂ ብዝግባእ ዘይተጸንዐ ኣፋዊ ያታታት ትግርኛ ዘጠቓለለ እዩ። ካብ ተራ ኣንበብቲ ሓሊፉ ዝዓመቘ መጽናዕቲ ኽገብሩ ንዝደልዩ፡ ባህሊ ዝመሰረቱ ፍርያት ስነ-ጥበብ ከዳልዉ ንዝደልዩ ኸምኡ‘ውን ንዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ‘ውን ክጠቅም ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከቡ፡ ባህሎም ናብ ውሉዶም ከውርሱ ንዝደልዩ ወገናት‘ውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣዕዋፍ ክራማት - ፶

ጸሓይ ቆብዕ ኣለዋ ይበሃል። ምስ ዕሽነት ከኣ ኣይተሓሓዝን። ካብ ዕሽነት ዝልብም ሕሱብ (ጥቃወ) ስለዘይሰኣን። ብሂል ከኣ ይበሃል። ብኸምዚ ዘረባ ቅጭ ዝመጽኦ ኣያ ኣንበሳ፡ ሓደ እዋን ጸሓይ ቆብዕ ድዩ ዘለዋ መራሃጫ ኽፈልጥ ነቒሉ ነይሩ ይብልዎ። ኣብ ጒዕዞ ዝስተ ማይ ምስ ወድአ ግና፣ ‘ኣብ ምድረይ ድራረይ’ ኢሉ ተመልሰ ይበሃል።

ንኣቦነ፣ “ኣነኣኢስካን ዘይትሓድጐ ኣሚንካን ዘይተምግጐ” እናተባህለ ይዝረበሉ። ኣቦነ፣ እንተስ እዋን ኣርኪብዎ ወይ’ውን መሸወቲ ዝናብ ስኢኑ ከይኣኸለ ዝነቐጸ ፍረ ዓተር’ዩ። ኣይክቐይሕ ኣይክጽልም፣ ሓዲግ ይተርፍ፣ ቀጠልያ። ‘ብቐጠልያይ እንተለኹስ ብሸዊተይ ይመስሎም’ ኢሉ መሲሉ ይብልዎ ኣቦነ፣ ብኳርያ ዓተር።

እኒ ለዃዂቶ ጸሓይ ቆብዕ ኣለዋ ይብላ። ‘ቆብዕ ጸሓይ እንታይ ይበሃል፧’ እንተ ሓተትካየንስ ‘ደበና’ ይምልሳ። ደበና ቆብዕ ጸሓይ! ዝኣስሮ ነገር ደኣ ኣይፍለጥን’ምበር፣ ንጸሓይ ደበና ምስ ከዋላ ‘ጸሓይ ንዕለይ ደበና ኪድለይ’ ኢልካ ይድረፍ። ግዳ ሰብ ጸሓይ ክናፍቕ እንከሎ፡ ብዓል ለዃዂቶ ደሃይ ነብሰን ይገብራ። ኣብዚ ነይረን ዘይትብለን ንሰማይ ይመልኣኦ። ናይ ዓመት ምሉእ ይጻወታ ይበሃል። ክጻወታ እንከለዋ ገሊአን ሰማይ ስዒመን፣ ገሊአን ምድሪ ልሒሰን ይምለሳ። ይዝምራ’ውን፣ ምስ ጭጭታ ኣዕዋፍ ዘይተሓሓዝ ድምጺ። ምሳአን ዝደርፋ መርዑ ወከ-ዛግር ነይረን ይብልወን።

‘ዒፈይ ለዂ (ናህሪ) ለዃዂቶ

ንሰማይ ወዲኣቶ’

እናበላ።

ደርሁ’ውን ምሳአን ሓቢረን ይዝምራ ይብልወን። ኣደታት ደርሁ ክራማት፡ ብፍላይ ድማ ኣንስትዮ ምስ እኒ ለዃዂቶ ተጻቢበን ዘድህያኦ ፍሉይ መዝሙር ከምዘለወን የዕልላ። ድምጺ ክራር ሓጋይ (ክራር ሓጋይ ዘይኣወለ ቀጢን ድምጺ ኣለዋ) ዝጥዕም፣ ውሽጢ ሰብ ዝበጽሕ ቀስቃሲ መዝሙር ኣለወን። ዝርብሸን’ውን ኣይደልያን። ኣካ ስልሕለሖት (ኣዳህሊሉ መሓስኣትን ደርሁን ዝወስድ እንስሳ) ይርደአን ይብልዎ። እኖታት፡ ደርሁ ኣብ ከምዚ ሃዋህው ምስ ዝህልዋ ሰማይ ብለዃዂቶ ከም ዝመልእ ይርድኣ። ጸሓይ ክውቃዕ ደገ ዘውጽኣኦ ድኾን (ሰፈር ደርሁ) እንተሃልዩ፡ ደርሆአን ተዓዚበን የእትዋኦ። ‘ደርሁ ይዝምራ ድኾነን ከየስብራ’ ተባሂሉ ድማ ይምሰል። በዚን ካልእን ደርሆ ‘ኢድ ሰበይቲ’ እናተባህለት ትጽዋዕ። ኣደታት ንደርሁ ካብ ኢደን እናመቐላ ይምግባአን። ኣብ ክራማት ኣደታት ብልቦና ደርሁ፡ ስጡሕን በላዒቶ ገይሩ ግዳም ዘውጻኣኦ ማእስን ዓርሸመርሽን የእትዋኦ።

ቅድሚ ለዃዂቶ፡ ክራማት ምእታው ዝሕብራ ኣዕዋፍ ኣለዋ ይብልኹም። ‘ዑፍ ገበላ’ ይብልወን። ሰብን ጥሪትን ሰማይ ደበና ይቛጽር ምህላው ከይፈለጠ፡ ኣዕዋፍ ገበላ የንብባኦ። ዝናብ ኣፋፍኖት እንተርእዩ፣ ኣዕዋፍ ገበላ ኣብ ገረብ ንዝሓገየ ሰፈረን ንገዛ ኸእትዋኦ ይጅምራ። ፍቓድ ዋናኡ ኸይሓተታ ኣብ ሽንካር ጠልጠል ኢሉ ንዝጸነሐን ቆብዕ ይዅን ካልእ ካብ ወዲቕ ዝዓግት ኣቕሓ፣ ሰፈረን ይገብራኦ። እክብ ዝሓገያኦ ሳዕርን ልሕጽን ኣብ ቆብዕን ካልእን ብምእካብ የማዓራርያኦ። ብዛዕባ ኣዕዋፍ ገበላ ኣንፈት ዘለዎ ሰብ፡ ባርኔጣኡ ኽሰቅል እንከሎ፣ ናብ መንደቕ ገጹ ይሰቕሎ። ምልክት ራሕስን ጥላለትን ንዝዀና ኣዕዋፍ ድሒሩ ኸልግሰን ስለ ዘይደሊ። ንኣዕዋፍ ገበላ ካብ ቤቱ ዝሰጐገ ሰብ ኣብ ቆፎኡ ዝኣቱ ምህርቲ በርከት ይስእነሉ ይበሃል። ስኒቱ ኸኣ’ባ ምሳአን ይዕዘር። ይፈርህ ድማ፡ ጸጕረን ከቢድ ብምዃኑ።

ኣብ’ዚ ወቕቲ፡ ደርሁ ንሓድሕደን እናተባእሳ ንዑፍ ገበላ ግዛዕ ኣይብለአንን ይበሃል። ጭራስ ሓድሕድ ይወሃሃዳ። ሰብ ድማ ምሳአን ይሓብር። ኣዕዋፍ ገበላ፡ ሰብ ንቡን ካብ ዝቐረቦ ማይ ምሳኡ እናንቈርቈራ ሰስ ኢሉ ኣየንፍረንን። ካብ እምነተን ኢማን ይማሃር። ዝናብ ኣብ ዝድለየሉ እዋን፡ ሰብ በትሪ እንተልዓለ’ውን ኣዕዋፍ ገበላ በርደግ ኣይብላን። ወዲሰብ’ዩ ድማ ካብአን ዝኸስብ። ማራኺ ሕብሪ ኣለወን። ካብአን ዝወጽእ ዘይመስል ጥዑም ድምጺ የስማዓ። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ዑፍ ገበላ፡ ዑፍ ማርያም ተባሂለን ይጽዋዓ። ኣዕዋፍ ገበላ ኣብ የማናይ ግንባረን ቀይሕ ስላም ኣለወን። ምልክተንን ጽባቐአንን ድማ ይኸውን።

422101312_734991342183434_576899011981119544_n.jpg

‘ዑፍ ለይቶ’ ዝበሃላ ቅጫ ዓተሮት (ብጫ) ኣዕዋፍ’ውን ኣለዋ። ወዮ ሕብረን ናይ ተፈጥሮ’ዩ። ለይቶ ግና ስም ቦታ’ዩ። ለይቶ ከም ስም ምስ ክራማትን ራሕስን ይተሓሓዝ። ክምስሉስያ ‘ንዝጠፈአ ማልካ ለይቶ ሕተተሉ’ ይብሉ። ንጥሪት ዝኸውን ዝብላዕ ዘይሰኣኖ ሰውሓም (ብርኩት) ምድሪ’ዩ። ኣብ ገለ ኸባቢታት ዝናብ ካብ ለይቶ ይነቅል ይበሃል። ዝናብ ብዝናቡ ኣሕባሪ ዝናብ። ይሸኵኽ ከኣ’ባ ይብልዎ። ዝተሓልከት ላም ኣየሕልብን። ዝናብ ለይቶ ማሕለኻ ካብ ላም ከምዘየፍትሕ ይዝንተወሉ። ላም ከይተሓልበት ለይቶ እንተበሪቑ፣ ላም ጸኒሕካ ትሕለብ ወይ ድማ ጸባ ድራር ምራኽ ይኸውን። ኣልባ ኸኣ ብሪውሪው ክብል ይሓድር። ዝናብ ለይቶ ቕድሚ ምምጻኡ ዑፍ ይሰድድ ይብልዎ። ቆላ- ሰራየን ምድሪ ወዲ ሰበራን ንወያ ምምጻእ ዝናብ ለይቶ እትሕብር ዑፍ፣ ‘ዑፍ ለይቶ’ ይብልዋ። ዑፍ ለይቶ፡ ኣብ ገበላኦምን መዝበቦምን ዝረኣዩ ሓረስቶት፡ ዝናብ ኣብ ሳልስቲ ከም ዝጅምር ይኣምኑ። ንኣንፊ ኽራማት ዝኸውን ምድላው ድማ ይገብሩ። ኣርዑተ ነዊቶም ይፈቕዱ፣ ዘርእን መዛርእን የዋድዱ። ብቐረባ ምክትታል ንዝደልያ ጥሪት፡ ናብ ዝጥዕሞም የቕርብወን። ንዝቚጥቈጥን ዝግለፍን ግራት፡ ጐዞሞኦም የብልሑሉ። መዝበብ ንዝወሓዶ ገዛኦም እንተ በይኖም ወይ ብምስዮት ቈጽሊ ይድርዕዎ። ልቦም ከኣ የንጽሁ። ኣብ ስራጋላኡ ቂምታ ዝሓዘ ልቢ ኸይህልዎም ይፈቓቐዱ። ክራማት እናኣተወ ምስ ቂምታን ሕርኽርኽን ኣይጸንሑን። ይብልኹምስ፡ በርቅን ነጐዳን ንኣኦም የናዲ ይብልዎ። ‘በርቅስያ ሓባእ ልቡ የናዲ’ውን ይምሰል። ብብሂልን ጸኒሕን ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ኣዕዋፍ ለይቶ እንተ ተቐላቒለን፣ ዝባን ህድሞ ዝሓገየ ሓሰር የዕገርግር። ካብ ቀጽቀጽ ዝተገለለ ንህቢ፣ ብጸሓይ ጾመ ኣርባዓ ኽለዲ ኣብ ዳስ ዝጸደየ ምራውንቲ በቦታኡ ይሕዝ። ሓረስታይ ድማ ናብ ዕርፍን ዘርፍን የቕንዕ።

ባዕላ ‘ኣነስ ኣይዑፍ ክራማትንዶ’ እትብል ዑፍ’ውን ኣላ። ጥዑም ፋል ግዲ ዘይብላ ዀይና ኣጻዕድዩ ዝጥምታ የለን። ሰብ ኣካ ነዛ ኽርእያ ይጸልኣ። ድምጻ እንተ ሰሚዑ በትሪ ሒዙ የሳጉጓ። እዛ ዑፍ ከም ደቂ ሕድርትና ለይቲ ትዛወር። ‘መንገዲ እግራ ትበተኽ’ ዝብላ ድማ ይበዝሕ። እከለ ለኣኺኣ ዘይትበሃል ኣብ ጥቓ ባዕላ ዝሓረየቶ ገዛ ተዀዲማ ‘ጉግ’ ክትብል ትሓድር። ድምጻ ምስ ተሰምዐ ኣብቲ ከባቢ ሞት ከየጋጥም ተፈሪሁ ይቕኒ። በዚ ወገን ክትጽላእ እንከላ፣ ከም ትፋእ ፎእ ከይትበሃል ጸግዒ ዝዀና ወዛም ዕላል’ውን ኣይሰኣናን። ኣብ ገለ ከባቢታት እዛ ዑፍ እንተ ተዳህያ ዲቕ ዝበለ ክራማት ከምዘሎ ይእመን። ሓረስታይ ቀላያትን ወሓይዝን ስፍር ምስ በሉ፣ ጕለ ከብቲ ክንድ’ቲ ሰናይ ክራማት ክሕለብ ይትስፎ። ስገመ ስርናይ’ውን ልዕሊ ዓቕሚ ቀርኖም (ቅርኒቦም) ፍረ ይስከሙ ይበሃል። ሳሕቲ ነዚ ዘተስፉ ትሕዞ እናሃለዋ ብሰብ እምብዛ ትጽላእ። ካን ጽልእ! ሞት መኣስ ካልአይቲ ሃልያታ። ወያ ዑፍ ጉንጓ’ያ።

ዓቢ ገረብ ነቕነቕ እንተይሉን ጉንጓ ክትቃኒ እንተ ሓዲራን፡ ሰብ፡ ወዲሰብ ከፋኑ ነጸላኡ ይውንዘፍ ይበሃል። ድምጺ ጉንጓ ብዝኸድካዮ እንተ ተሰሚዑ፡ ኣዋልድ ብብዝሒ ኽውለዳ ምዃነን ይእምት’ውን ይበሃል።

ዑፍ መስቀል ፊት ካብ ዑፍ ክራማት’ያ። ግዳ ብመንጽር ግዜ ቅድም ስገሞ’ያ ትበሃል። ዓፋፉንን ጻዕዳ እኽልን ምዒጉ ኽውርጠም (ክቕልቀል) ምስ ጀመረ፡ ቅድሚ ዅሉ ፍጡር ንሳ ተለልዮ። ይብልዋስያ ‘መቃይሒት’ ኢሎም ይጽውዕዋ። ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ዕፉን (ሰበኸት፡ ብርኪ፡ ኩልኳል) ኣይትዓልብን። ብዝመጸቶ ኣብ ሰገን ትዓልብ። ጽባቐ ሰገን ተወሲኽዋ ድማ እምበረመጠን ትምልክዕ። ክልተ ሕብርታት ንኣካላታ ብማዕረ ይማቐልዎ። ቀይሕን ጸሊምን። ግዳ ቀይሕ ይዛይድ። ጸሊም ሕብሪ ካብ ርእሳ ይጅምር’ሞ ኣብ ጭራኣ ድማ ይውድእ። ቀይሕ ከኣ ከም ሕዛብ ኣብ መንጐ ጸሊም ይስኳዕ። ትንኵልብ ዝመስሉ ኣዒንታ፡ ኣብ ጸሊም ዝሕብሩ ርእሳ ምስ ተሰዅዑ፡ ከም ኣልማዝን ነፍጥን ይወሃሃዱ። እዚ ጽባቐ ‘ዓነድል’ ካብ ዝበሃላ ደቂ-ሕድርትና ዝተለቅሓቶ’ዩ ተባሂሉ ይሕመ። ባዕላ’ውን ዑፍ መስቀል ‘ጽባቐይስ ሕሜታኡ ኸፍኣኒ’ ኢላ ትምስለሉ።

ዑፍ መስቀል ምልክት ተስፋ’ያ። ስገሞ ዝተሰቕለቶ ዕፉን፡ ዋላ ንሰብ ኣይዅን እንተ ሓመቐ ቅንፍዝ ሸጓዕ እተብሎ ጭልቅዕ ምዃን ኣይስእንን። ዕንጸይቲ ብምብዛሕ ንዝስቀል ቁራዕ መዝሓሊ ዝኸውን ፊሩ-ሚሩ ኣይሰኣኖን። ግዳ እዝስ ‘ጡፍ ጡፍ ገዛና መሊኡ’ሎ’ ተባሂሉ’ዩ ዝሕለፍ። ቈልዓ ብኽልተ ኢዱ ዘየልዕሎ ሳንጣ ዘይኣኽሎ ጠላዕ ዕፉን ናበይ ምስ ከደ፧